ሰራዊት ሱዳንን ምስኡ ዝተሰለፉ ዕጡቓት ሓይልታትን፡ ኣብ ግዝኣት ሰሜን ኮርዶፋ ንዝርከባ ባራን ኡም ሰያላን ዝርከብአን ወሰንቲ ከተማታትን፡ ስትራተጅያዊ ቦታታትን ካብ ቍጽጽር ዳዕመ-ሰሪዕ ብምምንዛዕ ከምዝተቖጻጸሩወን ኣፍሊጦም።
ጠቕላሊ እዚ ሓይልታት ሱዳን ብሰንበት 26 ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ሰራዊቱን ምስኡ ዝተሰለፉ ሓይልታትን ነተን ከተማታት “ብሓይልን ቈራጽነትን ሓራ ከም ዘውጽኡ” ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ብዝተጸንዐ ውጥን ዝተሰላሰለ ምዃኑን ፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣጽዋርን ወተሃደራዊ መካይንን ሓዲጎም፡ ካብተን ከባቢታት ክሃድሙ ከም ዝተገደዱን’ዩ እቲ መግለጺ ወሲኹ ዝሕብር።
ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሰሜን ኮርዶፋ ወሪዱዎ ዝተባህለ “ስዕረት” ኣመልኪቱ ዛጊት ዝኾነ ይኹን መግለጺ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ዳርፉር ሚኒ ኣርኮ ሚናዊ ብወገኑ፡ ሰራዊት ሱዳን ምስ ሓባራዊ ሓይልታትን ህዝባዊ ምክልኻልን ብምዃን፡ ንከተማታት ባራ፡ ኡም ጋርፋ፡ ኡም ሰያላን፡ ጃብራ ኣል-ሸኽን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተቘጻጸሩ ገሊጹ።
ሚናዊ ኣብ መግለጺኡ፡ ነቲ ስርሒት ንጹርን ዝተወሃሃደን ወተሃደራዊ ስጉምቲ’ዩ ክብል ዝገለጾ ኰይኑ፡ እቲ ሎሚ ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወት መወዳእታ ውግእ ዘይኮነስ ፡ ናብ ወሳኒ ስጉምቲ ዘምርሕ ሓድሽ ምዕራፍ ምዃኑ’ዩ ዘረድእ።
ኣብዚ ሓያል ውግእ ከም ዝተኻየደ ዝተገልጸ ስርሒት፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ምንቅስቃስ ሓርነት ሱዳን ዝዀነ ሜጀር ጀነራል ዓብደልዓዚዝ እስማዒል ኣባካር (ሚስተር ኣታክ 77) ኣብቲ ውግእ ከም ዝሞተ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሱዳን ትሪቡን ብወገኑ፡ ሓራ ዝወጻ ከባቢታት ሱዳን፡ ኣብ ሓፈሻዊ ውግእ ሱዳን ወሳኒ ወተሃደራዊ ረብሓ ከምዘለወን’ዩ ዝገልጽ።
ከተማ ባራ፡ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ግዝኣት ዝዀነት ኣል-ዑበይድ ብሸነኽ ምብራቕ 45 ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ሰሜን ኮርዶፋ ኮይና፡ ምቁጽጻር ናይዛ ከተማ፡ ነታ ንመላእ ምዕራብ ሱዳን እተራኽብ ማእከል ንግድን ወተሃደራዊ መዓስከርን ዝኾነት ኣል-ዑበይድ፡ ገጢምዋ ንዝጸንሐ ናይ ከበባ ስግኣት ዝቕንጥጥ ምዃኑ ይግለጽ።
ምቁጽጻር ኡም ሰያላ ብተወሳኺ፡ ነቲ ንሰሜን ኮርዶፋን ምስ ኡምዱርማን ዘራኽብ ስትራተጅያዊ መስመር ንሰራዊት ሱዳን ሓድሽ መስመር ቀረብ ዝኸፍት ከምዝኸውን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እዚ ምዕባለ’ዚ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ከቢድ ወተሃደራዊ ተነጽሎ ዘእተወሉ ምኽንያት፡ ካብ ዶባት ጫድ ተበጊሱ ብዳርፉር ኣቢሉ፡ ናብ ግዝኣት ካርቱም ዘሕልፍዎ ዝነበሩ ወተሃደራዊ ቀረብ
ነዳዲ፡ ኣጽዋርን ዕጡቓትን፡ ብሰራዊት ሱዳን ክቋረጽ ዝገብር ምዃኑ’ዩ ።
ተንተንቲ ከም ዝገልጽዎ፡ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ንዘለዉ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ካብቲ ቀንዲ ምንጪ ቀረቦም ዝኾነ ዞባ ዳርፉር ተነጺሎም ከም ዝተርፉ ዝገብር፡ ስትራተጅያዊ ስጉምቲ እዩ ክብሉ ዝገልጽዎ ኮይኖም፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብተመሳሳሊ፡ ንምትሓዝ እተን ከተማታት ብሓጎስ ከም ዝተቐበልዎ፡ ንመደብ ራድዮ ሊ ሰላም ኣል-ሱዳን” ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ገሊጾም።