ብኢራን ከምዝምወል ዝንገረሉን፡ ምስ ሃገረ ፍልስጤም ዝደናገጽን ዕጡቕ ሓይሊ ሑቲ፡ ተደጋጋሚ ግዜ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዝፈጥሮ ዘሎ ስግኣታት ፡ ቁጽሪ ምንቅስቓስ መራኽብ ቀይሕ ባሕሪ ብርኡይ ከምዝነከየን፡ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ምውዳቑን ተገሊጹ።
ዕጡቕ ሓይሊ ሑቲ የመን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ልዕሊ ካብ ስዑዲ ዓረብ ንዝተበገሳ መራኽብ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረ ጸጥታዊ ሰላም ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሓደጋ ምውዳቑ ዘረድእ ሮይተርስ፡ ከም ውጽኢቱ ፡ ቁጽሪ ንቀይሕ ባሕሪ ኣቋሪጸን ዝሓልፋ መራኽብ ፡ ብርኡይ ይቅንስ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
ምንቅስቓስ ሑቲ የመን ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝፍጽሞ መጥቃዕቲ ከምዘሐይሉን፡ ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝተኣሳሰራ መራኽብ ውን፡ ናይ ባሕሪ እገዳ ከምዝገበረን ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ፡ ዝሓለፈ ሳምንታት ንክልተ ዓበይቲ ናይ ንግዲ መራኽብ ናብ መበገሲአን ክምለሳ ድሕሪ ዘሕለፎ መጠንቀቕታ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ርኡይ ስግኣት ተፈጢሩ ምህላዉ’ዩ ሓበሬታ ሮይተርስ ዘረድእ።
እቲ ብዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ ዝተወስደ ናይ ምምላስ ፍጻመ፡ ኣብ ዓለማዊ ቀረብ ጸዓትን ድሕነት ምንቅስቓስ ባሕርን፡ ካብቲ ናይ ሆርሙዝ ብዘይፍለ መልክዑ ሓድሽ ስክፍታታት ወሊዱ ምህላዉ ዝጠቐሰ ሓበሬታ ሮይተርስ፡ ክሳብ 20 ሓምለ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ 11 ንግዳዊ መራኽብ ጥራይ፡ ብመጻብቦ ባብ ኤል-ማንደብ ከምዝሓለፋ ብምጥቃስ፡ እዚ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ዝተመዝገበ ዝወሓደ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ምዃኑ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ካብተን ብመጻብቦ ባብ ኤል-ማንደብ ዝሓለፋ 11 መራኽብ ፡ ሸውዓተ ዘይተጻረየ ነዳዲ ዝጸዓና መራኽብ ምንባረን ዝጠቐሰ ሮይተርስ፡ እተን ዝተረፋ ኣርባዕተ መራክብ ውን፡ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ፡ ኢማራትን ሩስያን ዝጸዓና ከምዝነበራን፡ ብቐንዱ ናብ ቻይናን ፓኪስታንን ይጓዓዛ ምንባረንን’ዩ ዝንገር።
ሃገረ ፍልስጤም ብምድጋፍ ምስ እስራኤል ኣብ ዘይውዳእ ግጭት ኣትዩ ዝርከብ ዕጡቕ ሓይሊ ሑቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ንዝተፈጸመ ወራር ኣሜሪካን እስራኤልን ብምቅዋም ውን፡ ነቲ ናይ ኣሜሪካን እስራኤልን ስምረት ንዝድግፋ ሃገራት ከፈራርሕ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።