ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገርና ብቁዕን እኹልን ህዝባዊ መጓዓዝያ ስለዘየለ፡ ህዝብና መዓልታዊ ንጥፈታቱ ንምስላጥ ኣድገ በቕሊ ክጥቀም ተገዲድሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ህዝብና ኣእዱግ ይገፍፍን ይዘምትን ከምዘሎ ሓበሬታ ውሽጢ ዓዲ ኣረጋጊጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ዝነብር ህዝብና ኣብ ሕርሻን ሸቀጥን ካልእ ጉዳያትን ዕለታዊ ንጥፈታቱ ንምስላጥን ንመጓዓዝያን ዝጥቀመለን ኣድገ በቕሊ ብምግፋፍን ብምምንዛዕን ሕሰም ህዝብና ዝያዳ የብእሶ ምህላዉ ናብ ኤሪፒኤም ዝተላእከ ሓበሬታ የመልክት።
ህዝብና ኣብ ማእከል ኣስመራ ከይተረፈ ብኣድገ በቕሊ ዝሰሓብ ዓረብያ፡ ብጉልበቱን ብሽግለታን ካብን ናብን ንብረትን ሕሙማትን ክጥቀም ምቅሳቡ፡ መርኣያ ቁጠባውን ማሕበራውን ውድቀት ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ኢዩ።
ብመሰረት’ቲ ዝተላእከልና ሓበሬታ፡ ብፍላይ ኣብ’ቲ ምስ ዶብ ክልል ትግራይ ዝዋሰን ዝርከቡ ተቐማጦ ንኡሳን ዞባታት ሰንዓፈ፡ ጾሮና፡ ዓዲ ዃላ፡ ማይምነን ዓረዛን፡ ንሕርሻን ዕዳጋን ካልእ ዕለታዊ መነባብሮን ዝጥቀሙለን ኣእዱግ ብጉጅለ ህግደፍ ተመንጢሎም ኣብ ዓቢ ጸገም ከምዝርከቡ ተፈሊጡ።
ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት፡ ኣእዱግ ንምግዛእን ንምውናንን ቀሊል እኳ እንተነበረ ኣብ መዋእል ጉጅለ ህግደፍ ግን እታ፡ “ኣድጊ ካብ ምማታ ምጉታታ” ትብሃል ዝነበረት ኣድጊ ዋጋኣ ካብ 3 ክሳብ 4 ሽሕ ናቕፋ በጺሑ ኣሎ።
ጉጅለ ህግደፍ መንእሰያትን ኣረጋውያንን ምግፋፍን ምሕያርን ከይኣክል ኣድገ በቕሊ ምግፋፍን ምዝማትን ምስግጋሩ ምልክት ባርባርነቱ ዘንጸባርቕ ኢዩ።
ብመግዛእቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝተሳቐዩ ሓረስቶት፡ “መንግስቲ ጽንሕ ኢሉ ገንዘብ ንምእካብ ንወነንቲ መጽዓኛ ዓረብያን፡ ቁጽሪ ታርጋ ክግበረለንን ፍቃድ መዘወሪ ክንሕዝን ከይንግደድ ንፈርሕ ኣለና” ክብሉ ዘለዎም ምረት ብዋዛ ገሊጾም።
ኣብ ሃገርና፡ ምስ ምውዳቕ ሃጸይ ሃይለስላሴ ዝተፈጥረ ዘይርጉእ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት፡ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ስለዘቋረጸ፡ ህዝብና ብእግሩ ነዊሕ ሰዓታት ይጓዝን ከምኡ’ውን መጽዓኛን ኣርባዕተ መንኮርኮር ዝነበረን ኩቹነቶን ብሽግለታን ይጥቀም ከምዝነበረ ይፍለጥ።