ኣመሪካ፡ ፍሉይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃን ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሴጉን ኣበሳንጆ ናብ መቐለ ንዝገበሮ ምብጻሕ ዘለዋ ናእዳ ገሊጻ።
ኣምበሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኢርቪን ማሲንጋ፡ ንመገሻ ኦሉሴጎን ኣበሳንጆን ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝምዕብል ዘሎ ወጥሪን ምትፍናንን ንምህዳእ፡ ምስቲ ፍሉይ ልኡኽ ክላዘብን ሓቢሩ ክሰርሕን ምዃኑ ቃል ዝኣተወ ኮይኑ፡ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።
ዑደት ኦሊሴጎን ኣበሳንጆ ናብ ትግራይ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከብ ወጥሪ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋንን፡ እቲ ብስምምዕ ምቊራጽ ተጻብኦታት ዝተወድአ መዓት ዳግማይ ከይደግስ፡ ህዝቢ ኣብ ዓሚቚ ፍርሒ ተሸሚምሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ዝተወስደ ወሳኒ ዑደት ምንባሩ ዝጠቐሰ እቲ ኣሜሪካዊ ዲፕሎማሰኛ፡ ብዛዕባ’ዚ ኣብ መጻኢ ዕድል ህዝብታት ኢትዮጵያ ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ ጉዳይ፡ ምስ ፕረዚደንት ኣበሳንጆ ክንላዘብ ተስፋ ንገብር ክብል’ዩ፡ ብመንገዲ ኤክስ ኣብ ዘቀመጦ ናይ ምስጋና ጽሑፍ ይገልጽ።
ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ኦሊሴጎን ኣበሳንጆ፡ ትማሊ ሰኑይ 24 ነሓሰ 2026፡ ናብ ትግራይ ‘ወግዓዊ ዘይኰነ’ ምብጻሕ ከም ዝገበረን፡ ምስ ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ከም ዝተዘራረበን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ዑደት እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ፡ ምስቲ ኣብ መንጎ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ተፈጢሩ ዘሎ ምፍጣጥ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከምዝኽእል’ዩ ዝግመት።
ቤትጽሕፈት ጕዳያት ኮምዩኒኬሽን ትግራይ ፡ ንመገሻ ኦሊሴጎን ኣበሳንጆ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምብጻሕ እቲ ፍሉይ ልኡኽ “ሃንደበታዊ” ምዃኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ትግራይን ፌደራልን ተፈጢሩ ዘሎ ምፍጣጥ ብዝኸፍአ መልክዑ እንዳጓሃረ ይኸይድ ብምህላው ግን፡ ካብኡ ዝዓቢ ኣጀንዳ ክህሉ ከምዘይኮነ’ዩ ዝእመን።
ኣብ ምዝዛም 2022 ብስምምዕ ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት ደው ዝበለ ናይ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዘላቒ መፍትሒ ክርከቦ ከምዘይተኻእለ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሰበ-ስልጣን እቲ ክልል ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተፈጸመ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ድሮናት፡ ንማእከላይ መንግስቲ ኣብ ምጥንቃቕን፡ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ፍለጡልና ኣብ ምባልን ብምህላዎም፡ እቲ ግጭት ዳግም ከይዓርግ ከቢድ ስክፍታ ፈጢሩ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ።
ኦሊሴጎን ኣበሳንጆ ኣብ ናይ ትማሊ መገሻኡ ፡ ምስቲ ንፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ብምእላይ፡ መሪሕነት ክልል ከም ዝተቘጻጸረ ዘፍለጠ ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ከም ዝተራኸበን፡ ኣብ እዋናዊ ጕዳያት ክልሉ ከም ዝተዘራረቡን ዝገልጽ ሓበሬታ ካብ ትግራይ ዝተረኽበ ኮይኑ፡ ብመሰረት እቲ ሓበሬታ መራሕቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝርርብ ንምጅማር ቅድመ ኵነት ኣቐሚጦም ከምዘለዉ’ዩ ዝንገር።
ቍጠባዊ እገዳን ዕጽዋን ምልዓል፡ ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ ምህዳእ፡ ግዝኣታዊ ምምሕዳር ትግራይን ተመበዛበልቲ ምምላስን፡ ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ሕጋውነት ህወሓት ናብ ንቡር ምምላስ፡ ገለ ካብቶም ትግራይ ዘቐመጠቶም ቅድመ ኩነት ኮይኖም፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ክግበሩ ዝጸንሑ ዝርርባት ፍሹላት፡ ዘይጭበጡን ግብራውነት ዘይብሎምን’ዮም ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ክልል ተነቢሩ ዘሎ ቍጠባዊ ዕጽዋ ንኽለዓል ዝገብር ዝርርባትን ርክባትን ንኽካየድ ሕቶ ምቕራቡ ውን እዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።