ኣብ ሊብያ ዝጣበቀሎም መንግስቲ ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት: ኣደዳ ማእሰርትን ዕዳን ይኾኑ ኣለዉ።
ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሃገሮም ምንባር ስኢኖም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ሊብያ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት: ብነጋዶ ሰብን ዕጡቓትን ይሳቐዩን ገንዘብ ክኽፍሉ ይግደዱን ኣለዉ።
እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት: ኣብ ሊብያ ብዘሎ ዘይምእኩል መንግስትን ዘይርጉእ ጸጥታን: ህይወቶም ወትሩ ኣብ ከቢድ ሓደጋን ስቓይን ከምዘሎ ብቐጻሊ ኣውያቶም የስምዑ’ኳ እንተለዉ ርዳኢ ግን ኣይረኸቡን።
ዜጋታት ናይተን ጉጅለ ህግደፍ ዘነኣእሰን ሃገራት ኢትዮጵያ: ሶማል: ሱዳንን ካልኦትን ድሕነትን ኩነታትን ዜጋታተን ብተገዳስነት ክከታተላን ፍታሕ ከናድያን እንከለዋ: ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ግን ንዜጋታቱ ይኽሕድን “ጸጊቦም እንታይ ክገብሩ ናብ ሊብያ ከይዶም” ኢሉ ይሕጭጭን ኣሎ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ኣለም ዋጭ ኢትዮጵያ: ብዘይ መባእታዊ ሰብኣዊ ኣብ ቴንዳታትን ዳሳትን ንዓመታት ንስቓይ ተቓሊዖም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት: መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ይቅተሉን ይጭወዩን ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባ ኣብ ኣለም ዋጭን ኣብ ካልእ ከባቢታት ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጸም ሞትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ሓንቲ መዓልቲ ቃል ኣውጺኡ ኣይፈልጥን ኢዩ።
ብኣንጻሩ ጉጅለ ህግደፍ: ነቶም ካብ ግብጽን ኢትዮጵያን ብዘይ ድሌቶም ብሓይሊ ዝጥረዙ ኤርትራውያን ስደተኛታት: ኣብ ክንዲ ንመሰሎምን ንድሕነቶምን ዝሕለቕ: ተቐቢሉ ኣብ ማሕዩር ምእታውን ገንዘብ ምቕጻዕን ድሕር ኣይበለን።
እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣብያት ጽሕፈት ከፊቱ ባንዴራ ኤርትራ ዘንበልብል ዘሎ ኤምባሲታትን ቆንስላትን ጉጅለ ህግደፍ: ቀዳምነቱ ገንዘብ ምእካብን ሓድነት ኤርትራውያን ምዝራግን ኢዩ።