ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ሓውሲ ከተማታት ሃገርና ዝነብር ህዝብና: ብስእነት ዝስተ ጽሩይ ማይ ይጭነቕን ይሳቐን ከምዘሎ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ ሓቢሮም።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዋእል ጉጅለ ህግደፍ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ድኽነትን ምብትታን ስድራቤትን ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ እዋን: ስእነት ዝስተ ጽሩይ ማይ ዝዓበየ ብድሆ ኮይኑዎ ከምዘሎ: እቲ ናብ ኣገልግሎት ሳተላይት ኤሪፒኤም ዝተላእክ ሓበሬታ ኣረዲኡ ።
ብሰንኪ’ቲ ንነዊሕ ዓመታት ዘጋጥም ዘሎ ስእነትን ሕጽረትን ዝስተ ጽሩይ ማይ: ስድራቤታት ጽሬቱ ዘይተሓለወ ማይ ክሰትዩ: ንመንበሪ ቤቶምን ሰውነቶምን ግቡእ ክንክን ጥዕናን ጽሬትን ክገብሩ ስለዘይክእሉ ንማይ ወለድ ሕማማትን ርስሓትን ከይቃልዑ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
ጉጅለ ህግደፍ ከም ኣመሉ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ሕዱር ማሕበራዊ ጸገማት ክኣምነሉን ክዛረበሉን ስለዘይደሊ: ብሰንኪ ዝስተ ጽሩይ ማይ ዝስዕብ
ሕማማት እውን ግቡእ ኣቓልቦን ፍታሕን ክረክብ ኣይክእልን ኢዩ።
ኣብ ርእሲኡ: ስድራቤታት ሪጋ ማይ ክጽበያን ካብ ዘይሕጋውያን ሸየጥቲ ማይ ብኽባር ክገዝኡን ይግደዳ ከምዘለዋን ተፈሊጡ።
ጉጅለ ህግደፍ ዋላ’ኳ ኣብ ማዕከናት ዜናታቱ ብዙሓት ዲጋታትን ራህያታትን ተሰሪሐንን እኹል ማይ ኸዚነን(ኣዕቊረን) እናበለ ብቐጻሊ ይግዓር: ጸገማት ህዝቢ ግን መስተርሆት ኣይረኸበን።
ህዝቢ ኤርትራ: ብተመሳሳሊ ሕጽረትን ስእነትን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ማለት ጥዕና: መብራህቲ: መንበሪ ገዛ: ህዝባዊ መጓዓዝያ: መሰረታውያን ሃለኽቲ ኣቑሑት ዝኣመሰሉ ጸገማት ከምዘለዎ ይፍለጥ።