ኮሚቴ ድሕነት ጋዜጠኛታት (CPJ) ኤርትራ 16 ተባሂሎም ንዝፍለጡን፡ ንኣስታት ርብዒ ዘመን ብጉጅለ ህግደፍ ተጨውዮም ዝርከቡን ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፡ ናይ 2026 ኣህጉራዊ ስልማት ናጽነት ፕረስ ክወሃቦም ዘሕለፎ ውሳነ፡ ፐን ኤርትራ ብሓጐስ ከም ዝተቀበሎን፡ ናጽነት ፕረስን ሞያዊ መሰል ጋዜጠኛታትን ኣብ ምኽባር ውን፡ ብዝለዓለ ደረጃ ክሰርሕ ምዃኑን ገሊጹ።
እዚ ኣህጉራዊ ኣፍልጦ እዚ፡ እቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ ዝኾነ ክስን ፍርድን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝሳቐዩ ዘለዉ ተባዓት ጋዜጠኛታት ዘድንቕን፡ ዝወሰድዎ ትብዓቶምን መስዋእትን ዘኽብርን ኮይኑ፡ ኤርትራ 16 ተባሂሎም ዝፍለጡ ጋዜጠኛታት ኤርትራ፡ ምስ ካልኦት ዜጋታት ሽዱሽተ ሃገራት ብምዃን ፡ ናይ ክብሪ ሽልማት ንክብርከተሎም ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ዓቢ ሓላፍነታዊ ውሳነ ምዃኑ’ዩ ፐን ኤርትራ ዘረድእ።
እዚ ናይ ክብሪ ሽልማት እዚ፡ ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚ 25 ዓመታት ንናጻ ፕረስ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ረጊጹ፡ ኤርትራ ብደረጃ ዓለም ሓንቲ ካብተን ዝነውሐ እዋን ዝወሰደ፡ ናጽነት ፕረስ ናይ ምርጋጽ ወፈራታት ዝርኣየላ ሃገር ክትከውን ድሕሪ ምፍራዱ፡ ዝኽሪ ጸላም ዕለት 18 መስከረም 2001 ኣብ ዝዝከረሉ ቅንያት ዝሰዓበ ኮይኑ፡ ጎኒ ጎኒ’ቲ ናይ ኣፍልጦ ስነስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ሃለዋቶም ከፍልጥን፡ ነጻ ናይ ምጽሓፍን ምዝራብን መሰል ጋዜጠኛታት ክኽበርን ዝጽውዕ’ዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ሰሉስ 18 መስከረም 2001፡ ኩለን ናጻ ጋዜጣታት ሃገር ክዕጸዋ ከም ዝወሰነ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ነታ ጸላም ሰሉስ እንዳበለት ትጽዋዕ መዓልቲ ሰሉስ ስዒቦም ዝተሰወሩ ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታት፡ ለውጢ ዝደልዩ ፖለቲካውያን መራሕትን፡ ካሎኦት ጭዉያትን፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣበየ ምህላዎምን፡ ኩነታት ህላወኦም እንታይ ይመስልን ዘረጋግጽ፡ ዝኾነ ይኹን ጭቡጥ ሓበሬታ፡ ብወገን ጉጅለ ህግደፍ ክርከብ ከምዘይተኻእለ ዝንገር ኮይኑ፡ ምስቶም ጋዜጠኛታት ብምዃን ዝተኣስሩ ኣሰናዳእቲ፡ ኣሕተምቲ ጋዜጣን ገለ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ውልቀሰባትን ውን ብተመሳሳሊ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ሃለዋት ከምዘይብሎም’ዩ ዝንገር።
ግዳይ ኣረሜናዊ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ዝኾኑ ጋዜጠኛታት፡ ድሕሪ ናጽነት ንዝነበረ ተስፋ ናጻ ፕረስ ተጠቂሞም ሞያዊ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ እንከለዉ፡ ዕንወትን ውድቀትን ኤርትራ ብዝኣወጀ ኢሰብኣዊ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ዓሪፍዎም፡ ኣብዚ ኣትዮም ከይተባህሉ ጠፊኦም ምህላዎም ወሲኹ ዝገለጸ ፐን ኤርትራ፡ ብዓለምለኻዊ ኮሚተ ድሕነት ጋዜጠኛታት CPJ ኣፍልጦ ክረኽቡ ምብቅዖም ሓጎስ ከምዝተሰምዖ’ዩ ኣብ መግለጺኡ ዝጠቅስ።
ብኣረሜናዊ ናይ ጭውያ ተግባራት ህግደፍ ተሰዊሮም ዝጠፍኡ ጋዜጠኛታት፡
ኣማኑኤል ኣስራት፡ ገጣሚን ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ዘመን።
ዳዊት ሃብተሚካኤል፦ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ መቓልሕ።
ዳዊት ይስሓቕ፡ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛን ሓደ ካብ መስረትቲ ጋዜጣ ሰቲትን።
ገብረሂወት ቐለታ፡ ጸብጻቢ ጋዜጣ ጽጌናይ (ኣብ ዓለም ንዝነውሐ እዋን ዝተኣሰረ ጋዜጠኛ ተባሂሉ ዝፍለጥ)።
ሓሚድ መሓመድ ስዒድ፡ ኣሰናዳኢ ክፍሊ መራኸቢ ብዙሃን ቛንቋ ዓረብ።
እድሪስ ስዒድ (ኣባ ዓረ)፡ ጸሓፊ ዓንቀጽ ነበር ስቪላዊ ኣገልጋሊ።
ጅምዓ ኪሜል፦ ናይ ስፖርት ጋዜጠኛ።
ማቴዎስ ሃብተኣብ፦ መስራቲ ጋዜጣ መቓልሕ።
መድሃኔ ሃይለ፡ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ቀስተ ደመና።
ስዒድ ዓብደልቃድር፡ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኣድማስ።
ሳልሕ ኣልጀዘይሪ፡ መንግስታዊ ጋዜጠኛ መራኸቢ ብዙሃን ነበር።
ሳህለ ጸጋዘኣብ (ወዲ ኢታይ) ጸሓፊን ጋዜጠኛን።
ስዩም ጸሃየ፡ ሰኣልን ጋዜጠኛን መስራቲ ዳይረክተር ተለቪዥን ኤርትራ።
ተመስገን ገብረየሱስ፡ ናይ ስፖርት ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ቀስተ ደመና።
ተስፋይ ገብረኣብ (ጎሞራ)፡ ናጻ ኣበርካቲ ጋዜጣ ሰቲት።
ዩሱፍ መሓመድ ዓሊ፡ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ጽገናይ ኮይኖም፡ መብዛሕትኦም እዞም ጋዜጠኛታት፡ ኤርትራ ኣብ 1993 ወግዓዊ ናጽነታ ካብ እተጎናጽፍ ኣትሒዞም፡ ናጻ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ምህናጽ ዓብዪ ግደ ዝነበሮም ምዃኖም’ዩ CPJ ዝገልጽ።
ማሕበር ፐን ኤርትራ ኣብ መልእኽቱ ፡
እዚ ናይ CPJ ሽልማት 25 ዓመታት መልሲ ክረኽቡ ንዘይከኣሉ ስድራቤታት፡ መሳርሕትን ተጣበቕትን፡ እዞም 16 ጋዜጠኛታት ከምዘይተረስዑ ዘዘኻኽር ኣገዳሲ ትርጉም ከምዘለዎ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ዝኸፈልዎ ዋጋ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ናጽነት ፕረስ፡ ሓደ ካብቶም ዝኸበዱን ዝነውሑን ጥሕሰታት ፕረስ ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ እዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ማሕበር ፐን ኤርትራ ምስ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ብምዃን፡ ንኽቡር ኣፍልጦ 16 ዝተሰወሩ ጋዜጠኛታት እንቋዕ ሓጎሰና ዝበለ ኮይኑ፡ እቲ ናይ ክብሪ ኣፍልጦ ኣብ ሂወት እቶም ጋዜጠኛታት ዝጥቀስ ትርጉም ዘይብሉ ሽልማት ዝመስል እኳ እንተኾነ ፡ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ታሪኾም ክሓክኽን ህዝቢ ክርስዖምን ኣብ ድኻም ዝጸንሐ ኣረሜናዊ ጉጅለ ግን፡ ከቢድ ጽፍዒት ምዃኑ’ዩ ዘረድእ።
መበል 25 ዓመት ዝኽሪ 18 መስከረም ኣመልኪቱ ቃሉ ዘቀመጠ ፐን ኤርትራ፡ ኩሎም ዝተኣሰሩ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ-ኵነት ብህጹጽ ክፍትሑ ጻውዒቱ ዘሐደሰ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ውን ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ብምኽባር፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ደው ክብል ብምግባርን፡ ናጻ ጋዜጠኝነት ዳግማይ ክዕንብብ ብምፍቃድን፡ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎ ግዴታ ክዋጻእ ኣተሓሳሲቡ።
•••
ERIPM.