ኣብ ከባቢታት ዳባት ናይ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ፡ ቦታ መቅተልትን ማሕረድትን ኤርትራውያን ብምኳን፡ ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ዜጋታትና ዝሳቀይሉ ቦታ ኮይኑ ምጽንሑን፡ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ካብተን ነቲ መዓስከር ዘቆማ ኣርባዕተ ዞናት፡ ዞን C ከሙኡ ውን ዞን D ተባሂለን ዝፍለጣ ክልተ ዞናት ምሉእ ብምሉእ ጥርሐን ከምዝተረፋ፡ ምንጪ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ ካብቲ ቦታ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣብ ሓበሬቱኡ፡ ኣብ ወሰናስን ከባቢታት ናይቲ መዓስከር ዝርከብ ዞን D፡ ዝበዝሑ ደቂ ኩናማ ዝኮኑ ስደተኛታት ዝነብርዎ መዓስከር ምንባሩን፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዝነበረ ሓደገኛ ናይ ቅትለት ፈተነታት ከኣ፡ እቲ ዞን ምሉእ ብምሉእ ጥርሑ ተሪፉ፡ ዝበዝሑ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ሽረን ከባቢታት ሸራሮን ቀዲሞም ምህዳሞም ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ከኣ ብተመሳሳሊ ዞን C ተባሂሉ ዝፍለጥ ካልእ ዞን ምሉእ ብምሉእ ጥርሑ ምትራፉ’ዩ ዝገልጽ።
መዓስከር ኣለምዋጭ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ዝቆመሉ እዋን፡ ኣስታት 25ሽሕ ኤርትራውያን ተቀቢሉ የመሓድር ምንባሩ ዝጠቀሰ ምንጪ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ግን ብሰንኪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ኣሰቃቒ ኢሰባኣዊ ተግባራት ቁጽሪ ስደተኛታት ናብ 7ሽሕ ምውራዱን፡ ብዘይካ ዞናት Aን Bን ክልተ ዞናት Cን Dን ሰብ ዘይብሉ ጥርሑ ምትራፉ እዩ’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ብዘይካ ቆልዓ ሰበይቲ፡ ዓበይቲ ኣረጋውያን፡ ስንክልና ዘለዎም ጽጉማትን፡ ኣላዪ ዘይብሎም ሽጉራትን፡ ኣብ’ቲ መዓስከር ዝነብር ሰብ ዘይምህላዉ ወሲኹ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ እኩል ቀረብ መግቢ፡ ስጋኣት ጸጥታን፡ ዋና ዘይብሉ ሽፍትነትን፡ ሂወቶም ኣብ ናይ ሞትን ሂወትን ሃለዋት ምህላዉ እዩ ዝገልጽ።
ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣብ መደምደምታ፡ ተሪፎም ዘለዉ ጽጉማት ዜጋታትና ካብ ኣፍ ሞት ንምድሓን፡ ህጹጽ ህዝባዊ ሓገዝ ኣብ ምጥላብ ምህላዎም ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ሂወቶም ንምድሓንን ጸገማቶም ንምቅላልን ኩሉ ብዝከኣሎ ክረባረብን ዝከኣሎ ክሕግዝን እዩ ጻውዒቱ ዘቅርብ።