ሕጽረት ባጤራ ናቕፋ ፡ ንመዓልታዊ መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ የኽብዶ ምህላው ተገሊጹ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኣብ ኢዱ ዘሎ ጥረ ገንዘብ ናብ ሕሳቡን ባንክታትን ከእትዎ ገደብ ግዜ ፈልዩ ድሕሪ ምጥንቃቑ፡ ዋናታት ገንዘብ ካብ ሕሳቦም ገንዘቦም ከውጽኡ ስለዘይክኣሉ ኣብ ዓቢ ቁጠባዊ ጸገማት ከምዝወደቑ ተሓቢሩ።
ብመሰረት ካብ ውሽጢ ዓዲ ናብ ኣገልግሎት ሳተላይት ኤሪፒኤም ዝተላእከ ሓበሬታ፡ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ነቲ ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ወርሒ ሰነ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ ተኸቲሎም ገንዘቦም ናብ ባንክታትን ሕሳባምን ዘእተዉ፡ ዳግማይ ካብ ባንኪ ኣውጺኦም ክጥቀሙሉ ከምዘይክኣሉ ተፈሊጡ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ወርሒ ሰነ ካብ ባንኪ ወጻኢ ኣብ ኢድ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ዘሎ ጥረ ገንዘብ ክሳብ መወዳእታ ሓምለ ናብ ሕሳቦምን ባንክታትን ከእትውዎ ተሪር መጠንቀቕታ ከምዘውጽአ ይዝከር።
ይኹን እምበር፡ ኣብ ኤርትራ ብዘሎ ዘይምዕቡልን ልምዳውን ኣሰራርሓን ብሎሚ ጽባሕ ተመለስን፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ብጉጅለ ህግደፍ ዝተባህለ ገደብ ግዜ ገንዘቦም ናብ ባንኪ ወይ ናብ ሕሳቦም ከእትውዎ ኣይክኣሉን።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብቲ ዝወሰኖ መጠንቀቕታ ዕለት፡ ነቶም ካብ 50 ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ገንዘብ ዘለዎም ሰባትን ውልቀ ሰባትን ስለዝተቐበለ፡ እቶም ውሑድ ዓቀን ገንዘብ ዘለዎም ሰባት ካብ መቕጻዕቲ ክድሕኑ ኣብተን ዘለዋ ውሱናት ባንኪታት ነዊሕ መስርዕ (ሪጋ) ክሕዙን ክመላለሱን ከም ዝተገደዱ፡ እቲ ዝመጸና ዜና ብተወሳኺ ኣረዲኡ።
ብገዛእ ርእሱ ዘውጽኦ ኣዋጃትን ሕግታትን ከተግብር ዓቕሚ ዝሰኣነን ሕሰም ህዝቢ ዘይስቆሮን ጉጅለ ህግደፍ፡ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ክሳብ 31 ሓምለ ኣብ ኢዶም ዘሎ ገንዘብ ኣብ ሕሳቦምን ኣብ ባንክታትን ከእትውዎ ኣብ ማዕከናት ዜናታቱ ተሪር መጠንቀቕታን መፈራርሕን የውጽእ እምበር፡ ድሕሪ ገደብ ግዜ ምሕላፉ ህዝቢ ካብ ሻቕሎትን ጸገምን ንምንጋፍ ዝሃቦ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
ከምዝፍለጥ፡ ኣብ ኤርትራ ውልቀ ሰባትን ትካላትን፡ ኣብ ወርሒ ካብ ሓሙሽተ ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ገንዘብ ካብ ሕሳብካ ከተውጽእ ኣይፍቀድን ኢዩ።
ኣብ ኤርትራ ዋላ’ኳ ብዝሒ ሰራተኛታትን ዘለዎ ኣውፋርን ናይ ብሕቲ ትካልን ውልቀሰብን እንተዘየለ፡ ስድራቤታትን ውልቀ ሰባትን ንዝተፈላለየ ውራይን ወጻኢታትን ካብ ሓሙሽተ ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ኣብ ዘድልዮም እዋን ኣብ ባንኪ ዘሎ ገንዘቦም ክጥቀሙሉ ስለዘይክእሉ፡ ብጥረ ገንዘብ ኣብ ኢዶም ክሕዝዎን ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ከሽርፍዎን ከምዝግደዱ ይፍለጥ።
ብኣንጻሩ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንተገልገልቲ ኣብ ወርሒ ካብ ሓሙሽተ ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ገንዘብ ከየውጽኡ ብምድራት፡ ገንዘብ ህዝቢ ብዘይ ወለድ ከዋፍሮን ክጥቀመሉን ዝኽልክሎ ሕጊ የብሉን።
እቲ ካብ ወጻኢ ብመልክዕ ሓዋላ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ሚልዮናት ናይ ወጻኢ ባጤራ ድማ ጉጅለ ህግደፍ ትካላት ሸርፊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ብምእታው፡ ንህዝቢ ምስ ዕዳጋ ዓለም ዘይመጣጠን ብናቕፋ ኣሽሪፉ ስለዝህብ፡ ከይርሃጸሉ ተዓጻጻፊ መኽሰብ’ዩ ዝግሕጥ።