ግ/ህ/ማ/ብ/ንሓመዱ ኤርትራውያን ሃገረ እስራኤል ዑዉት ሳልሳይ ጉባኤኡ ኣካይዱ።
ህ/ማ/ብ/ንሓመዱ ኤርትራውያን ዞባ እስራኤል፡ ዕዉት ሳልሳይ ጉባኤ ከምዘካየደ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ንዕላማታትን ውሳነን እቲ ጉባኤ ኣመልኪቱ ዝበጽሓና ሓበሬታ ከምዘለዎ ክቀርብ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ህ/ማ/ብ/ንሓመዱ ኤርትራውያን ዞባ እስራኤል ዝነበረ ስያመ፡ ብ84.6 ድምጺ፡ ግምባር ዝብል ውሳኔ የሕሊፉ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዕለት 07-08/08/2026 መራሒና ሕጊ ኣብዛሓ ድምጺ ምትግባር፡ ዋሕስና መትከል ሪኢቶ ውሑዳት ምኽባር ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ዘቃንዖ ዕዉት ንሳልሳይ ጉባኤ፡ ዳርጋ ብምሉእ ድምጺ ነቲ ህ/ማ/ብ/ንሓመዱ ኤርትራውያን ዞባ እስራኤል ዝነበረ ስያመ፡ ብ ግ/ህ/ማ/ብ/ንሓመዱ ኤርትራውያን ሃገረ እስራኤል ብዝብል ስያመ ከምዝተከኦ ውሳንኡ የሕሊፉ።
ኣብ’ዚ ጉባኤ’ዚ፡ ኣቀዲሙ ኣሰናዳኢት ኮሚተ ብምምዛዝ፡ ድሒሩ ነፍሲ ወከፍ ጨንፈር ኣብ ኩሉ ጽላታት ገምጋም ብምግባር፡ ቀጺሉ ውን ዝነበሩ ኣመራርሓ ናይ ቀዳማይ ጉባኤን ሓሰብቲ ኣካላትን፡ ምስ ዝነበሩ ኣመራርሓ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ብምዃን ንኹሉ ዝሓለፈ ከይድታት ገምጊሞም።
ካብ’ዚ ቀጺሉ ቅርጺ ምሕደራ እንታይ ይኹን ዝብል ክትዕ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ፈጻሚት ኣደ ወንበራት ጨናፍር፡ ከም ሓገግቲ ኣካላት ክቆሙ ዝብል ውሳነ ውን ጸዲቑ ።
ኣብ’ዚ ጉባኤ ዝቐረበ ነጥብታት፡
ብተወከልቲ ግንባር ንኹሉ ዝነበረን ዘሎ ነጥብታት ብምዝርዛር፡ ካብ መጀመርያ ክሳብ እዚ ዘሎ ከይዲ ብዝርዝር ዝቐረበ ኮይኑ፡ ገሊጾም ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣትሒዝና፡ ንሕና ከም ዞባ ካብ’ዚ ንኔው ኣካልን ዋናታትን እዚ ግምባር ምኻንና፡ ንኹሉ ቅልጡፍ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዝደሊ ወዲ ሃገር ከነብርህ ንፈቱ።
ኣብ’ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ግንባር ጉድለት ናይ ኣሰራርሓ ሽግር ክህሉ ይኽእል እዩ ሓቢርና ከም ነዐርዮ ድማ ኣሚና ንቃለስ።
እዚ ማለት ካልእ ኣማራጺ ክሳብ ዘይሃለወ ኩሉ ተቓላሳይ ነዚ ግንባር ክድግፎ ሕልናዊ ግዴታ ኣለዎ።
መን ይመርሕ ኣሎ ስለምንታይ ንምንታይ ዘይኮነ ከመይ ጌርና ሕድገታት ጌርና ንዓድና ንኣትወሉ ዕምሪ ጸላኢና ዝሓጽረሉ ክንሓስብ ግዜን መድረኽን ዝጠልቦ’ዩ።
ነዚ ዘሎ ኩነታት ተጠቂምና ቅልጡፍ ዝኾነ ነዚ ግንባር ደገፋትና ብምርግጋጽ ባይታና ብምጥጣሕ ድልውነትና ከነረጋግጽ ንላቦ።
*ይኣክል በለካ ለኽዓካ
*ይኣክል ምውንጃል
*ይኣክል ኣፈላላይ ኣብ ዘይጠቕሙ ነገራት እቲ እንኮ ጸላኢና ስርዓት ሻዕብያን ኣተሓሳስብኡን ምዃኑ ኣሚና ናብኡ ነተኩር።
ኣብ መወዳእታ ለበዋና ንኹሉ ተቓላሳይ ነዚ ኣብ ሚድያ ዝኸይድ ዘሎ ሕድሕድ ምጥቓዕ ምጥቅቃዕ ደው ኢሉ ነዚ ዘሎ ህሉው ኩነታት ኣብ ረብሓና ከነውዕሎ ንምሕጸን: ኩሉ ውን ዓቕምና’ዩ።
ግ/ህ/ማ/ብ/ንሓመዱ ኤርትራውያን ሃገረ እስራኤል
ዓወትና ብቕልጽምና
ዓወትና ብንቕሓት
08 ነሓሰ 2026
ቴል ኣቪቭ እስራኤል