ኣብ መዓስከር ዳባት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ በብግዚኡ ናይ ጭውያን ቅትለትን ገበናት ክወርዶም ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከም መቀጸልታ ናቱ ሎሚ ውን ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት መንነቶም ብዘይፍለጡ ዕጡቃት ተጨውዮም ምህላዎም፡ ምንጪ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ ገሊጹ።
እቶም ኣብ ዕለት 28 ሓምለ 2026 ዝተጨውዩ ክልተ መንእሰያት፡ ካብ ትኹል ኑኡስ ዞባ ሞልቂ፡ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝመጸ ጸጋይ ኣበዶም ገብረገርግሽ፡ ከሙኡ ውን ካብ ዞባ ደቡብ ንእስ ዞባ ዓዲ ኳላ፡ ምምሕዳር እንዳገርግሽ ዝመጸ የዕብዮ ተኪኤ ገብረየሱስ ምኳኖም ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን 200 ሺሕ ብር እንተዘይከፈሉ ክንቀትሎም ኢና ተባሂሎም ኣብ ስቃይ ምህላዎም’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
እዞም ዝተጨየዩ ክልተ ስደተኛታት፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ፍትሒ ክረኽቡ ስለዘይከኣሉ፡ ዝምልከቶም ወከልቲ ስደተኛታት ዝኾኑ ኣካላት፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምኳን ይጽዕሩ ምህላዎም ብምጥቃስ፡ ዛጊት ክሳብ ዛ ሰዓት እዚኣ ግን ተስፋ ዝህብ ነገር ዘይምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
ብሰንኪ’ቲ ኣብ ኣለም-ዋጭ ተኸሲቱ ዘሎ መቅተልቲ ማሕረድትን መጭወይትን፡ ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ነቲ ማዓስከር ራሕሪሖምዎ ክኸዱ ዘተሓሳሰቦም ስቪካውያን ማሕበራት፡ ክንሕልዎም ስለ ዘይከኣልና: ናብ ዝጥዕሞም ክኸዱ ክንሓድጎም ኣሎና ብምባል፡ ጸዊዒት ኣቅርቦም ምህላዎም ዝጠቀሰ ምንጪ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ካብተን ኣብ’ቲ መዓስከር ዝርከባ ኣርባዕተ ዞናት፡ ኣብ ዞን c ን ዞን D ዝነብሩ ዝነበሩ ስደተኛታት ጠቅሊሎም ብምህዳሞም፡ እቲ መዓስከር ጥርሑ ይተርፍ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
ብስንኪ እቲ ኣብዚ ማዕስከር ዘሎ ግፍዒ ብዙሓት ስድራቤታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ይግዕዙ ምህላዎም፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መጹ ውን ንክራይ ገዛ ዝኸውን ገንዘብ ስለ ዘይረክቡ ንዝተፈላለየ ጸገም ይቃልዑ ምህላዎምን ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ናብ’ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ናይ ስደተኛ ወኪል Rcc ከይዶም፡ ጸገሞም ተተዛረቡ ውን፡ ዳታኩም ኣብ ዳባት ስለ ዝኾነ ኣይንሰምዓኩምን ተባሂሎም ሰማዒ ይስእኑ ምህላዉ’ዩ ወሲኹ ዘረድእ።
ጨንቂዎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጹ ስደተኛታት፡ መሰሎም ከይተኸበረሎም ምስ ደቆም ብጭንቂ ይነብሩ ምህላዎም፡ ብፍላይ ክረምቲ ምስ ምዃኑ ውን፡ ካብ ኣለም-ዋጭ ተፈናቂሎም ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት ወዲቆም ኣለው ዝበለ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ መጽለሊ፡ መግቢ፡ ናይ ሕክምና፡ ከምኡ ውን ትምህርቲ ናይ ምምዝጋብ ዕድላት፡ ተነፊግዎም ምህላዉ’ዩ ዝጠቅስ።
ጸገም ናብ ኣዲስ ኣባባ ዝውሕዙ ዘለው ስደተኛታት ንምፍታሕ ብቀጻሊ ይጽዕር ምህላዉ ዝገለጸ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ብፍላይ ካብ መዓስከራት ዝመጹ ህጻናት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ናውቲ ትምህርትን መመዝገብን፡ ናይ ትምህርቲ ዕድሎም ከይኩለፍ፡ ኩሉ ዜጋ ዝከኣሎ ደገፍ ክገብር’ዩ ጻውዒት ዘቅርብ።
ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ንልዕሊ 600 ስድራቤታትን ጽጉማት ስደተኛታትን፡ ሓገዛት ናውቲ ትምህርቲ ከም ዝገበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሕጂውን እኹል ሓገዝ ናብ ኩሉ ንምብጻሕ ዜጋታት እጃሞም ክድግፉ’ዩ ጻውዒቱ ዘቅርብ።