ብጉጅለ ህግደፍ ዝጥበሩን፡ ናይ ሓሶትን ጽልእን መደባት ስራሕ ዝወሃቡን፡ ብኣፎም ኤርትራውያን ኢና በሃልቲ ሕልና ኣልቦ ዩቱበራት፡ ሕሰምን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ህዝቢ ኤርትራ ስለዝተገልጸ፡ ይነብሑን የቑጥዑን ምህላዎም ካብ ማሕበራዊ መራከቢታት ዝተረከበ ሓበሬታ ኣነጺሩ።
ቅድሚ ሳልስቲ ወዲ ኣዘርባጃን ዩቱበር፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጭቆናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ስለ ዘቓልሖን ብዙሕ ስዓቢ ስለዝረኸበን ዩቱበራት ጉጅለ ህግደፍ ንዕሽነቶም ዘንጽባርቕ ሕርቃኖም ይገልጹ ኣለዉ።
እቶም ንነብሶም ከም ጽሩያትን እሙናትን ሃገራውያን ኮይኑ ዝስምዖም መጉልሒ ድምጺ ጉጅለ ህግደፍ ዩቱበራት: “ኣብ ዓድና ዘሎ ጸገማት ንፈልጦ’ኳ እንተኾና ክፋእ ናይ ሃገርናን መንግስትናን ግን ዓለም ክፈልጦ የብሉን” ዝብል ዝኣረገን ዝጋዕገዐን ምጉት ጉጅለ ህግደፍ ኣቕሪቦም።
እዞም ብዘይካ እንቅዓ ሓሶታትን ዘመተ ጽልእን ጉጅለ ህግደፍ ምድጋም እምበር ህዝቢ ኤርትራ ዝሓልፎ ዘሎ ሕሰም ናብራን ስእነት መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ተዛሪቦም ዘይፈልጡን ትብዓት ዘይብሎምን ሓቂ ዘባህርሮም ዩቱበራት ዕሽራትን ክርዳድን ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም።
ዩቱበራት ጉጅለ ህግደፍ: ንነብሶም ስደተኛታት እኳ እንተኾኑ: ነቲ ብኣፎም ህዝብና ዝብልዎ ኤርትራዊ: ስለምንታይ ብዘይ ክሲ- ፍርዲ ንዓመታት ይሕየር: ስለምንታይ ቅዋም ባይቶ ምርጫ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ዘየለ: ስለምንታይ ሃገራዊ ኣግልግሎት ገደብ ግዜ ዘይብሉ: ኤርትራዊ ስለምንታይ ይስደድ ኣሎ? ስለምንታይ ሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎት: ስለምንታይ ኣብ ኩናት ትግራይ ዝሃለቑ ኤርትራውያን ኣይርድኡን” ኢሎም ሓቲቶም ኣይፈልጡን ኢዮም።
እዞም ኣብ ኤርትራ ምልኪ: ድኽነት: ስደት: ሞት: ኲናትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ክቅጽል ዝጽዕሩን ንጉጅለ ህግደፍ ዝድግፉን ዘለዉ ዩቱበራት: ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ራብዓይ ግንባር ኢሉ ዝወደሶምን ኣንጻር ህዝቦምን መሰሎምን ጠጠው ክብሉ ዘራሰኖምን ብሃማት ዕዉራት ልቢ ምኳኖም፡ ድሕረባይቶኦምን ቃላቶምን ዝምስክሮ’ዩ።