ኤርትራዊ ሓይሊ ዕማም፡ ንስዕረት ህግደፍ ኣብ ስያትል ብጋዜጣዊ መግለጺ ኣዊጁ።
ኤርትራዊ ሓይሊ ዕማም መኸተ ንስግረዶባዊ ጭቆና፡ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ስያትል፡ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ 13 ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንፍትሒ ዝመስረቶ ክሲ ከምዝዓጸዎን፡ ጉጅለ ህግደፍ ብውርደት ከምዝተሳዕረን ትማሊ 23 ነሓሰ 2026 ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኤርትራዊ ሓይሊ ዕማም መኸተ ንስግረዶባዊ ጭቆና ኣብ መግለጺኡ፡ ክቡር ተቓላሳይ ኣባል ደንበ ፍትሕን ሰፊሕ ህዝብናን፡ ህግደፍን መጋበርያታቱን: ኣብ ልዕሊ 13 ተቓለስቲ ንፍትሒ፡ ኣብ ስያትል ክፍሊ-ሃገር ዋሽንግተን ዝመስረትዎን፡ ንሓድሽ ኣንፈት ሽርሕታት ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ህግደፍ ዘመስከረን ክሲ፡ ካብ ክልተ ዓመታት ንላዕሊ ዓገግ ክብለሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብውርደት ኢዱ ሂቡ ብዓወት ናይቶም ተባዓትን ውፉያትን ተቓለስቲ ንፍትሒ ተዛዚሙ ዝበለ ኮይኑ፡ እቲ ፍትሓዊ ውሳነ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ተቓለስቲ ንምጅጃው ክኸዶ ዝጸንሐ ርሕቀት ዓቢ ጽፍዒት ምዃኑ ገሊጹ፡፡
በዚ ዝተረኽበ ዓወት ዝስመዓና ሓጎስ ወሰን የብሉን ዝበለ ኤርትራዊ ሓይሊ ዕማም መኸተ ንስግረዶባዊ ጭቆና ኣስዒቡ፡ ነቶም ብዙሕ ዝኸፈሉን ዝተሳቐዩን ክሱሳት፡ ከምኡ ውን ዝነኣድ ገንዘባውን ሞራላውን ሓገዝ ንዝወፈዩ ፍትሓውያን ተቓለስቲ፡ እንቋዕ ሓጎሰና ድሕሪ ምባሉ፡ ብስም ምሉእ ጭቁን ኤርትራዊ ዜጋ ንኹሉ ብዝኽእሎ ዝተዋስአ ደላዪ ፍትሒ ኣመስጊኑ።
ብርግጽ፡ ህግደፍ ኣብቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ናይ ሰያትል ክሲ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣላሽ ምባሉ ዘሕጉስ እኳ እንተኾነ ፡ ሸርሕታት ስግረ-ዶባዊ ጭቆና ህግደፍ ግን፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ይኹን ብኻልእ ሽርሕታት፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝገብሮ ተጻብኦ ቀጻሊ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን ዝበለ ኤርትራዊ ሓይሊ ዕማም፡ መሰረት ዘይብሉ ክስታት ኣሊምካ፡ ንተቓለስቲ ደምበ ፍትሒ ኣብ ቤት ፍርዲ ኮለል ብምባል፡ ዘይተኣደነ ገንዘባዊ ክሳራን፡ ስነኣእሙራዊ ተጽዕኖን ብምውራድ፡ ወኒ ተቓለስቲ ምድኻምን ናይ ብድሆ ድምጺ ምልኳትን፡ ልሙድ ሜላ ህግደፍ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።
ኤርትራዊ ደምበ ተቓልስቲ ንፍትሒ ነዚ ብምርዳእ፡ ህግደፋዊ ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ንምስዓሩን ንምልማሱን፡ ኣብ ሚያዝያ 2026 ኣብ ዝተዘርግሐ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓይሊ-ዕማም ከም ዘቆመ ምእዋጁ ዝገለጸ ኤርትራዊ ሓይሊ ዕማም መኸተ ንስግረ ዶባዊ ጭቆና፡ ሎሚ ተረኺቡ ዘሎ ፈላሚ ዓወት አንዳ ኣስተማቐርና፡ ጎድኒ-ጎድኑ ግን ፡ ውጽኢት ዋጋ ዝተኸፍሎ ሓባራዊ ተጋድሎ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ቃልስና ኣብ ምዕራፉ ክሳብ ዝበጽሕ፡ ኣንጻር ስግረ-ዶባዊ ጭቆና ህግደፍ እንገብሮ ቃልሲ ብዝያዳ ሓይሊ ክሓትት ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።
ስግረ-ዶባዊ ጭቆና ህግደፍን መጋበርያታቱን ኣብ ደገ (ድያስፖራ) ብዝወሓደ ጸግዑ ሒዙ
ከምዝኸይድ ምግባር ክሳብ ዝተኻእለ፡ ምሉእ ብምሉእ ከምዝበታተን ምግባር ውን ዝጽበየና ዘሎ ኣገዳሲ ዕማም ምዃኑ ወሲኹ ዘዘኻኸረ እቲ ሓይሊ ዕማም፡ ነዚ እናነሃረ ኣብ ምኻድ ዝርከብ፡ ብጉጅለ ህግደፍን ሰዓብቱን ዝፍጸም ስግረ-ዶባዊ ናይ ጸቕጢ ዓመጻት ኣልሚስና፡ ሰላማዊ ህዝብና ብዘይ ስክፍታን ፍርሕን፡ ሰጋእ ከይበለ ዝነብረሉ፡ ድምጹ ዘቃልሓሉን
ዝቃለሰሉን ሃዋህው ከነውሕስ፡ ግዜ ዝጠልቦ ዕማምናን ኣካል ነካይዶ ፍትሓዊ ቃልስናን ኮይኑ ምህላዉን’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ መወዳእታ፡ ዝተጠቕሰ ዕላማታት ንክዕወት፡ ሰብኣውን ፋይናንስያውን ዓቕሚ ዝሓትት ሓባራዊ ቃልሲ ከምዘድሊ ዝጠቐሰ እቲ ሓይሊ ዕማም፡ ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ህግደፍ ንምብዳህ፡ ዝሰፍሐ ሓድነት ከነረጋግጽን፡ ተሳትፎና ከነበርትዕን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅልስ ብወግዒ ዝተመስረተ ሕጋዊ፡ ብግሉጽነት ዝሰርሕ ማዕከን ፋይናንስ ብዝተርነዐ ቀጻልነቱ ከነረጋግጽን፡ ኣድላዪ እዋናዊ ሓላፍነት ምዃኑ ኣዘኻኺሩ ።