ጉጅለ ህግደፍ ብሰንኪ ብልሽዉ ቀይዲ በተኽ ኣሰራርሓ ሚልዮናት ገንዘብ የጠፋፍእ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣብ እዋኑ ምቁጽጻር (ኦዲት) ስለዘይግበረለን ገንዘብ መንግስቲ ይጠፋፋእ ከምዘሎ ተኣሚኑ።
ብሕጊ ኣልቦን ቀይዲ በተኽን ምምሕዳር ዝልለ ጉጅለ ህግደፍ፡ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ንዓመታት ምቁጽጻር ስለዘይግበረለን ገንዘብ መንግስቲ ይጠፋፋእ ከምዘሉ ንነብሱ ኣቃሊዑ።
ብመሰረት ካብ ፖሊስ ዞባ ዓንሰባ ከረን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ኣብ ትካል ሓይሊ መብራህቲ ናይታ ከተማ ካብ 2021 ክሳብ 2026 ካብ ዓማዊል ዝተኣከበ ኣስታት ክልተ ሚልዮንን ፈረቃን ናቕፋ ስሩዕን ዕቱብን ምቁጽጻጽር ስለዘይተገብረሉ ኣብ ክንዲ ናብ ባንኪ ምእታው ኣብ ውልቃዊ ረብሓ ግለ ሰባት ከምዝውዓለ ገሊጹ።
እቲ ብሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ሓይሊ መብራህቲ ከተማ ከረን ተወሲዱ ዝተባህለ ገንዘብ፡ ክኢላታት ሕሳብ ኣብ ልዕሊ ተሓዝቲ ገንዘብን ሓለፍትን እቲ ትካል ብዘካየድዎ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ቁጽጽር ማለት ኦዲት፡ እቲ ምጥፍፋእ ከምዝተረጋገጸ መግለጺ ፖሊስ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።
ንገዛእ ርእሱ ብብልሽውና ዝተቆማጥዐን ዝኣቱን ዝወጽእን ጥረ ገንዘብ ይኹን ንብረት ናጻ ተቘጻጻሪ ዘይብሉ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንሰራሕተኛታት ሓይሊ መብራህቲ ብምጥፍፋእ ገንዘብ ምኽሳስ ብዘይካ “ሓሰኻ ደምበስ ናብ ዝለምለመሉ” ካልእ ትርጉም የብሉን።
ጉጅለ ህግደፍ ካብ ኣታዊታት ማዕድን፡ ብክልተ ካብ ሚእቲ፡ ቀረጽን ዝተፈላለየ ወፈያን ካብ መቕጻዕቲ ስግረ ዶብን ካልእ መመኽነይታን ካብ ህዝቢ ዝእከብ ቢልዮናት ናቕፋ ዝቆጻጸሮ ዘይብሉ ህዝብና ብጥሙዩ ኣብ ጁባ ውልቀ ሰባት ላዕለዎት ሓለፍቲ ጉጅለ ህግደፍ፡ መደልደሊ ስልጣንን መሐየሪ ኤርትራውያንን’ዩ ዝውዕል።
ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዝኣክል እቶትን ሃብትን እንከለዎ ምስ ሃብቱ ደኽዩን ብሕጽረትን ስእነትን መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ይሳቐን ይስደድን ኣሎ።
ጉጅለ ህግደፍ ንብሕታውያን ወነንቲ ኣብያተ ሸቐጥ ብዝተፈላለየ መመኽነይታ መቕጻዕቲ ገንዘብን ንግዲ ፍቓድ ምስራዝን ዘይፍትሓዊ ስጉምቲ ምውሳድን እምበር ነቲ ኣብ ትሕቲ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዘሎ ቢልዮናት ርእሰማል ዝውነን ትካላት ዝቆጻጸሮ ኣካል የለን፡ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ኣይፈልጦን ኢዩ።
እቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ጉጅለ ህግደፍ ንገዛእ ርእሱ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዘይክተል ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባትን ትካላትን ዘካይዶ ምቁጽጻርን ዝህቦ መቕጻዕትን ድማ፡ ካብ ተሓታትነት ንምህዳምን ገበናቱ ንምኽዋልን ጲላጦስ ንምምሳልን እምበር፡ ሓልዮት ህዝቢ ይኹን ብልሽውና ንምግታእ ኣይኮነን።
እቲ ኣብ ኤርትራ ህይወት መሪርዎም ዶብ ክሰግሩ ዝተታሕዙን ካብ ስድራቤቶም ዝእከብ ኣሽሓትን
ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ጥብቂ ምቁጽጻር ምንቅስቓስ ባንክታትን ናይ ብሕቲ ሕሳብን ትካላትን፡ ብተግባር ዘይሰርሕ ኣዋጃትን ሕግታትን ከካይድ እንከሎ፡ ቀንዲ ዕላምኡ ንህዝቢ ኤርትራ ምጥማይን ተመጽዋቲ ምግባርን ኢዩ።