ብሰንኪ ስግኣት መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ድሮን፡ ኣብ ከተማ መቐለ ክበዓል ዘይተኻእለ በዓል ኣሸንዳ፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ከምዝተኸብረ ተገሊጹ።
ቤትጽሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ፡ ኣብ መቐለ ከጋጥም ካብ ዝኽእል መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንምጥንቃቕ፡ ህዝቢ ዝእከበሉ ጽንብል ፌስቲቫል ኣሸንዳ ከምዝሰረዞ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ግን እቲ ዕለት ብክልቲኡ ወገን ካብ ዝተኣከበ ህዝቢ ተኸቢሩ ምውዓሉ ተገሊጹ።
ነበርቲ ዶባት ዝኾኑ ተጋሩን፡ ካብ ኤርትራ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ዝመጹ ኤርትራውያንን፡ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ዶባት ትግራይን ኤርትራን ኣብ ዝተኻየደ ፌስቲቫል ተራኺቦም ምውዓሎም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እዚ ባህላዊ ድምቀት መቐጸልታ ናይቲ ክልቲኦም ሓይልታት ህወሓትን ህግደፍን ዝገብርዎ ዘለዉ ናይ ጽምዶ መደባት ብምዃን ፡ ኣርእስቲ ክፍጠረሉ ምዃኑ ውን’ዩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘረድእ።
ብመሰረት ጸብጻብ ድምጺ ወያነ፡ ነበርቲ ወረዳ ጉለመከዳ ከተማ ዛላንበሳን፡ ካብ ኣምበሰተ ገለባ፡ ሰርሓ፡ እምባብ ዳን፡ ኮኾባይ፡ ኢንዳሹም፡ ስመጃናን ካልኦት ከባቢታት ሰንዓፈን ዝመጹ ተጋሩን ኤርትራውያን ሓቢሮም፡ ነቲ በዓል ከምዘኽበርዎ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ብወገን ኤርትራ ዝነበረ ተሳትፎ፡ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልቢ ህዝቢ ትግራይ ንምእታው ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ዘጉልሕ ምዃኑ’ዩ ዝንገር።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ምኽትል ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ዝኾነ ኣቶ ሃይላይ ገብረማርያም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ርክብ ክልቲኦም ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን፡ ክልቲኦም ህዝብታት ንዘለዎም ናይ ሓባር ታሪኽ፡ ባህሊን ኣቃውማን ዘንጸባርቕ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ምትእምማን ኣብ ምፍጣርን፡ ጸጥታዊ ርጉኡነት ኣብ ምውሓስን ወሳኒ ተራ ክህልዎ ይግባእ ዝበለ ኮይኑ፡ ኣብቲ ስነስርዓት ዝተረኽበ ህዝቢ ብክፉት ልቢ ንሰላም ዘለዎ ቅሩብነት እኳ እንተርኣየ ብኣንጻሩ እቲ ምስ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ህዉኽ ናይ ሰላም ምንቅስቓስ፡ ናይ ኲናት ሸውሃት ጉጅለ ህግደፍ ንምርዋይ ይኽየድ ምህላዉ ማንም ዝስሕቶ ኣይኮነን።
ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን፡ ናይ ኣማኢት ኣሽሓት ዓመታት ታሪኽ ዝውንኑ ኣሕዋት ህዝብታት ምዃኖም ፡ ኣብ ክልቲኡ ህዝብታት ዝርአ ኩለንተናዊ ምትእስሳሮም ዘረጋግጽ እኳ እንተኾነ ፡ እቲ ብዘይ ጸላኢ ክነብር ተፈጥሩኡ ዘይፈቅደሉ ጉጅለ ህግደፍ ግን፡ ልክዕ ከም ተደምረናል፡ ጽምዶ ውን ካልእ ደም ንምፍጣር ዝዓለመ ውዲት ምዃኑ ፡ ዝኸዶ ዘሎ ርሕቐት ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።