ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ሃብቲ ሃገር ህዝቢ ምኳኑ ብምጥቃስ የደናግር።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዓቅሚ ሰብን ጸጋታትን ኤርትራ ብደይ መደይ እናኣህለቀን እናኣባኸነን፥
ሃብቲ ኤርትራ ህዝባ’ዝዩ ኢሉ የደናግር።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፥ ብተግባርን ብእዉጅን ህዝቢ ኤርትራ እናጽነተ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቕሚ ሰባ ምዃኑ ይገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመታት ብዘይ ሕጊ ስልጣን ብሒቱ ህዝቢ ኤርትራ ዝረግጽን ጸጋታት ዘባኽንን ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፥ ብምኽንያት 50 ዓመት ምምስራት ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣብ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ሲምፖዝዩም፥ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቕሚ ሰባን ምምዕባል ትምህርትን ምዃኑ ገሊጹ።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ወርቃዊ ኢዮበልዩ ምምስራት ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝሃቦ ናይ ዝዓሰወ እንጀራ ኣብ ሓድሽ ሞሶብ ዝዓይነቱ መግለጺ፥ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ 2001 ዝተፈጸመ ምጭዋይን ንዓመታት ምሕያርን ላዕለዎት ሰብስልጣን፥ ጋዜጠኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦትን ከምኡ’ውን ምእጋድ ናይ ብሕቲ ጋዜጣትን ኣቃልቦ ንኸይረክብ ዝዓለመ ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ፥ ንብዙሓት ካብ ኣባላትን መራሕትን ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝነበሩ፥ ብዘይ ክስን ፍርድን ንዓመታት ብምሕያርን ኣብ ኩናት ብምህላቕን ኣብ ስደት ብምስፋርን ስድራቤታት ብምዝኽታምንብምድካይን ማእለያ ዘይብሉ ገበናት ኣብ ዝፍጽመሉ ዘሎ እዋን፥ ብደረጃ ሃገርን ዞባን ንወርሒ መመላታ: ንተራን ታሪኽን ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝምልከት ዳንኬራ ምክያድ ምስሉይነትን ንብዓት ሓርግጽን ኢዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ መሰረታውን መባእታውን ማሕበራዊ ኣግልግሎት ሓሪምዎ ኣብ ዝሳቀየሉ ዘሎ ግዜ፥ ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽ ምልፍላፍ፥ ብዘይካ “ህዝባዊ ግንባር ሰራሒ ቅያ ስለዝኾነ እሺ ኢልኩም ትገዝኡኒ” ካልእ ዕላማ የብሉን።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኢትዮጵያ ከይትበታተን ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣብ ኩናት ትግራይ ምህላቁን ስድራቤታት ምዝኽታሙን ክኢላዊ ዓቅሚ ሰብ ከምዝስደድን ከምዝሕየርን ኣብ ግደብ ግዜ ዘይብሉ ውትህድርና ንዓመታት ምቑራኑን ክንሱ፥ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ህዝብን ምድንፋዕ ትምህርትን ኢሉ ምምዳሩ ድማ ቃሉን ተግባሩን ንሓድሕዱ ዝጋጮ ኢዩ።
ኣብ ተዛማዲ ዜና፥ ማዕከናት ዜናን ካድራትን ጉጅለ ህግደፍ፥ “ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንቢራቶ ዝጽንሐት እገዳ ብጽንዓትና ከምዝለዓል ኮይኑ” ኢልካ ዕሸላዊ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ ምክያድ፥ ብዘይካ ንሓደ ክልተ የዋሃት ምድንጋር፥ ንህሉው ጸገማት ህዝቢ ኤርትራ ዝፈትሕን ማሕበራዊ ፍትሒ ዘንግስን ኣይኮነን።
ፖሊሲ ምንባር እገዳ ወይ ምልዓል እገዳ ኣመሪካ ድማ ንሃገራዊ ረብሓታትን ጸጥታን ቀዳምነት ዝህብ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
ኣብ ዝሓለፈ 5 ዓመታት ምስ ኩናት ትግራይ ኣብ ዝተኣሳሰር ምስታፍ ሰራዊት ኤርትራን ምፍጻም ገበናትን ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊትን ትካላት ህግደፍን ተነቢሩ ዝንበረ እገዳ ኣመሪካ ድማ ንህሉው ማሕበራውን ቁጠባውን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ህዝቢ ኤርትራ ኣይፈትሕን ኢዩ።