ብሰንኪ ናይ ጽንተት ፖሊሲ ህግደፍ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተወሊዑ ኣብ ዘሎ ግጭት ክሳተፍ ተገዲዱ ዝርከብ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከቢድ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖ፡ ካብቲ ከባቢ ዝተረከበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ ዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ፡ ትማሊ ዓርቢ 9 ጥቅምቲ 2026፡ ከባቢ ሰዓት 10:20 ንግሆ ዝተፈጸመ ምንባሩ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ ጥቓ ዶባት ኤርትራ ከባቢ ዛላምበዳ ኣብ ዝርከብ መጽንሒ ቦታ ዓስኪሩ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ከምዝተፈጸመን፡ ብርክት ዝበለ ኣጽዋር ኣብ ልዕሊ ዝሓዛ ኣሃዱታት ኣጋር ሰራዊት ከቢድ ዕንወት ኣውሪዱ ምህላዉ’ዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።
ብሰንኪ’ቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ሰብን ሰራዊት ኤርትራ ዝወረደ ዕንወት ብልክዕ ንምፍላጥ ዋላ’ኳ እንተዘይተካእለ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝፈጠሮ ብርቱዕ ባርዕ ሓዊ ግን፡ ኣብ ልኽሊ ኣጽዋር ጉጅለ ህግደፍ ከቢድ ዕንወት ኣውሪዱ ምህላዉ ከምዘረጋግጽ’ዩ ዝእመን።
እቲ ትማሊ ዓርቢ ከባቢ ሰዓት 10 ረፋድ ዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ፡ ኣብ ከባቢ ካልካይ ብርኪ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ ከባቢ ንግዳዊ ባንኪ ዝርከብ ቦታ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ከባቢ ዶብ ኣብ ዝርከብ ዓዲ ሓቒ ተባሂሉ ዝፍለጥ ክልተ ቦታታት ዝተፈጸመ ምንባሩ ዝጠቀሱ ምንጭታት እቲ ከባቢ፡ ብቑጽሪ ብርክት ዝበለ ዝተኸዘነ ኣጽዋር ከምዘቃጸለን፡ ሓያል ነትጒ ክስማዕ ከምዝወዓለን’ዮም ወሲኾም ዘረጋግጹ።
ድሕሪ’ቲ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ኣብ ዝነበረ ዝተወሰነ ሰዓታት፡ ከቢድ ሓዊን ብርቱዕ ናይ ምፍንጃር ድምጺ ክስማዕ ምውዓሉን ዝጠቀሱ እቶም ምንጭታት፡ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ዕላሙኡ ከምዝሃረመን፡ ከቢድ ክሳራታት ወሪዱ ምህላዉን’ዮም ዝጠቅሱ።
ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ዝጸንሑ ዕጡቃት፡ ነቲ ብድሮን ዝተወለዐ ሓዊ ንምጥፋእ፡ ብንጥፈት ይንቀሳቐሱ ምንባሮም ዝጠቅስ እቲ ሓበሬታ፡ ይኹን እምበር እቲ ናይ ሓዊ ሃልሃልታ ነዊሕ ሰዓታት ክነድድ ከምዝተራእየ እዮም ዘረጋግጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብርክት ዝበላ ሃገራት ቀዳማይ ዓለም፡ ዜጋታተን ካብ ኩሉ ከባቢታት ዶብ ኤርትራ ክርሕቁን፡ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ 25 ኪ.ሜ. ናብ ዝርከብ ቦታታት ዝኾነ ዓይነት ጉዕዞ ከይገብሩ ኣጠንቂቐን።
እተን ሃገራት ኣብ ዝዘርግሖኦ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ፡ ዜጋታተን ኣገዳሲ ዘይኮነ ጉዕዞ ናብ ኤርትራ ካብ ምፍጻም ክቁጠቡ ዝተሓሳሰባ ኮይነን፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ምትፍናን፡ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ናብ ግጭት ክምርሕ ዝኽእል፡ ናብ ኤርትራ ምጉዓዝ ወይ ውን ካብ ኤርትራ ምውጻእ ኣጸጋሚ ክኸውን ይክእል’ዩ ካብ ዝብል ግምት ተበጊሰን፡ ንዜጋታተን የጠንቅቓ ምህላወን’የን ዝገልጻ።
ኣብ ኤርትራ ክጸንሑ ዝወሰኑ ሰባት እንተለዉ ውን፡ ኣቀዲሞም እኹል ናይ መግቢ ቀረብን፡ መሰረታዊ መዓልታዊ ኣቕሑን ኣቐዲሞም ከዳልዉ ዝመክር እቲ መጠንቀቕታ፡ ኣገዳሲ ኩነታት ክሳብ ዘይሃለወ፡ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ዜጋታትን ብህጹጽ ካብ ኤርትራ ክወጹ ከምዝግባእ’የን ዝመኽራ።
https://youtu.be/CWQ5F-fITTw?si=oMa6YGu1khOL0aln