ምስ ሓይልታት ፌደራል ብምዃን ፡ ኣብ ግጭት ትግራይ ዝሳተፍ ዘሎ ሓይሊ ሰላም ትግራይ (TPF)፡ ናብ ኤርትራ ምህዳም ብህይወት እናሃለኻ ናብ ገሃነም ምኻድ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሰራዊት ትግራይ ናብ ኤርትራ ከይሃድም ምዒዱ።
ሰራዊት ሰላም ትግራይ (TPF) ነዚ ዝገለጸ፡ ትማሊ ብመንገዲ መራሕቱ ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ህወሓትን ዕጡቓት ኣባላት ሰራዊትን ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተኣኪቦም ምህላዎም ድሕሪ ምጥቃስ’ዩ፡ ናብ ኤርትራ ናይ ምህዳም ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ክቁጠቡ ዝምዕድ።
“ናብ ኤርትራ ምህዳም፡ ብህይወት እናሃለኻ ናብ ገሃነም ምኻድ እዩ” ክብል ዘጠንቀቐ ሓይሊ ሰላም ትግራይ TPF፡ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተኣኪብኩም ዘለኹም መራሕትን ተዋጋእትን፡ ካብ ዓድኹም ከይትወጹ ድሕሪ ምባሉ፡ መጻኢ ዕድል ትግራይ ብሩህን ተስፋ ዝህብን ስለ ዝኾነ፡ ክትድሕኑ ከም እትኽእሉ ተረዲእኩም፡ ኣብ ዓድኹም ብምጽናሕ ኢድኩም ሃቡ ክብል’ዩ ሰለማዊ ጻውዒት ኣቕሪቡ ዝርከብ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ግጭት ትግራይ ካብ ኢድ ሓይልታት ህወሓት ዝተማረኸ ኣጽዋርን ሰነዳትን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኤምባሲ ሃገራትን ኣምባሳደራትን ቀሪቡ፡ ህወሓት ዲፕሎማሲያዊ ክሳራታት ንክገጥሞ የግልግል ምህላዉን ተገሊጹ።
እቲ ካብ ህወሓት ዝተሰልበ ኣጽዋር፡ ናይ መን ሃገር ፍርያት እዩ? መን ገዚእዎ? ብመን ሓሊፉ ኸ ናብ ትግራይ በጺሑ ዝብል ዝርዝራዊ ሓበሬታ፡ ብመንገዲ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ጀነራል ገመቹ ከምኡ ውን ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣቢሉ፡ ናብቶም ኣምባሳደራት ይበጽሕ ምህላዉ ዝገልጽ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ኢድ ሓይልታት ህወሓት ዝጸንሐ ድሮናትን፡ ጸረ ድሮን ኣጽዋርን፡ ብመንገዲ ሱዳንን ኤርትራን ኣቢሉ ናብ ትግራይ ከምዝበጽሐ’ዩ፡ እቲ ሰነድ ዘረጋግጽ።