ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ከተማታት ኤሊዳርን ቡሬን ሓሊፉ ናብ ዶብ ኤርትራ ከምዘይኣተወ፡
ምንጭታት ካብ ከባቢ ዓፋር ዘረጋገጽዎ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ዳግማይ ግጭት ድሮ ሳልሳይ ሰሙኑ ሒዝሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን፡ ሓይሊ ሰላም ትግራይ TPFን ዝምራሕ ልፍንታዊ ሓይሊ፡ ንብርክት ዝበላ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ተቘጻጺሩ ናብ ዶባት ኤርትራ ተጸጊዑ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምስዚ ተተሓሒዙ ብወገን ግምባር ቡሬ ናብ ኤርትራ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሩ ናብ ደባይ ሲማ ከምዝኣተወን ዝገልጽ ሓበሬታ፡ ባይታዊ ሓቅነት ከምዘይብሉ፡ ማዕከን ሓበሬታ ዶቼ ቬሌ ካብ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ክልል ዓፋር ከምዘረጋገጾ ጠቒሱ ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ካብ ሰራዊት ኤርትራ ንዝተፈነወሉ መጥቃዕቲ ግብረመልሲ ንምሃብ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ መጥቃዕቲ ከምዝፈነወን፡ ዶብ ኤርትራ ሰጊሩ ደባይሲማ ንዝተባህለ ቦታ ከምዝተቖጻጸረን ዝገልጽ ሓበሬታ፡ ካብ ትማሊ ሰንበት ኣትሒዙ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክጋዋሕ ምቕናዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እዚ ብወገን ግምባር ቡሬ ተኸፊቱ ዝተባህለ ግጭት ኣብ ባይታ ከምዘየለን፡ ብወገን ግምባር ቡሬ ዝኾነ ይኹን ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ከምዘይተራእየን’ዮም እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንዶቼ ቬሌ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ዝሕብሩ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ከተማ ቡሬ ሓሊፉ ንደባይሲማ ከምዝተቖጻጸረ ዝገልጽ ሓበሬታ፡ ብዙሕ ነውጽን ኣዛራቢ ዛዕባታትን ፈጢሩ ምጽንሑ ዝጠቐሰ ዶቼ ቬሌ፡ ይኹን እምበር ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ኤሊዳርን ቡሬን ሓሊፉ፡ ናብ ውሽጢ ዶባት ኤርትራ ከምዘይኣተወን ዝኾነ ይኹን ወተሃደራዊ ምዕባለታት ዘይምህላዉን’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
እቶም ኣብ ከባቢ ዶባት ዝነብሩ ነበርቲ፡ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከቢድ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ ከም ዘሎ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ብወገን ግምባር ቡሬ ግን ክሳብ ሕጂ ግጭት ከም ዘይተፈጥረን፡ ዝኾነ ይኹን ኣሰካፊ ድምጺ ከም ዘይሰምዑን’ዮም ዘረጋግጹ።
ብወገን ጉጅለ ህግደፍ ብተመሳሳሊ፡ እቲ ንግጭት ደባይ ሲማ ኣመልኪቱ ክበሃል ዝጸንሐ ሓበሬታ፡ ባይታዊ ሓቅነት ዘይብሉ ዘመተ ምዃኑ ፡ ናይ ሚድያ ካድራት እቲ ጉጅለ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ብወገን ግምባር ቡሬ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ግጭት ከምዘየለን፡ ካብ ግጭት ሓሊፉ ዘሰክፍ ወጥሪ ውን ከምዘይተራእየ’ዮም ወሲኾም ዝገልጹ።
ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዓ.ም ኣብ ዝነበረ ግጭት ኢትዮ-ኤርትራ፡ ግምባር ቡሬ ሓደ ካብቶም ደማዊ ግጭት ዝተራእየሎምን፡ ኣዝዩ ከቢድ ውግኣት ካብ ዝተኻየደሎም ግምባራት ሓደ ምንባሩን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ግን ዝኾነ ይኹን ምዕባለታት ከምዘየለን፡ ብወገን ኢትዮጵያ ውን ኣብቲ ከባቢ ንጡፍ ልምዓታዊ ስርሓት ይካየድ ምህላዉን’ዩ ዝንገር።