መራሕቲ ኢትዮጵያን እስራኤልን ናይ ቴለፎን ርክብ ከምዘካየዱ ተገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ምስ እስራኤላዊ መዘናኡ ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ ናይ ቴለፎን ርክብ ከምዘካየደ ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብመንገዲ ውልቃዊ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሕሳቡ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ከምዝተራከበን፡ ኣብቲ ምስ ነታንያሁ ዘካየዶ ልዝብ “ወሰንቲ ዞባዊ ምዕባለታት” ከምዘልዓሉን ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር እቶም ዝጠቀሶም ምዕባለታት ኣየኖት ምዃኖም ብንጹር ኣየስፈረን።
ብወገን ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ፡ ነዚ ጉዳይ እዚ ኣመልኪቱ ዝኮነ ይኩን ዝርዝራዊ ሓበሬታ ዘይምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እስራኤል ኣብዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ደማዊ ግጭት ኣብ ጎኒ መራሒ ኢትዮጵያ ኣብይ ተሰሊፋ ምህላዋ ግን፡ ዝቀደመ ምዕባለታት ዘረዶኦ’ዩ።
ርክብ ኣብይን ነታንያሁን፡ ኣብዚ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ብዝተወልዐ ሓድሽ ግጭትን፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ብዝቕጽል ዘሎ ኣሰልካዪ ጎነጽን ተናዊጻ፡ ንጸጥታዊ ሓደጋ ተጋሊጻ ዘላትሉ ሰዓት ዝተካየደ ብምኳኑ፡ ፍሉይ ኣገዳስነት ክህልዎ ከምዝክእል ብዙሓት ዝሰማምዑ ኮይኖም፡ እስራኤል መራሒ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ስዕረት ንከይገጥሞ፡ ተወሳኪ ወተሃደራዊ ደገፋት ክትህቦ ከምእትክእል’ዩ ዝግመት።
ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መግለጺኡ፡ ምስ መዘኑኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ኣብ ዝገበሮ ዕላል፡ ዝጸንሐ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ንምሕያል ኣብ ዘተኮረ ዛዕባታት ከምዝተረዳድኡ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር እቲ ብወገን ክልቲኤን ሃገራት ዝረአ ዘሎ ዝምድናታት፡ ኣብ ወተሃደርዊ መዳያት ዝጸቀጠ ብምኳኑ፡ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ንግጭት ትግራይ ማእከል ዝገበረ ክኸውን ከምዝክእል’ዩ ዝግመት።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ትማሊ 12 ጥቅምቲ 2026፡ ሓንቲ ናይ ኢትዮጵያ ካርጎ ነፋሪት፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሳ ናብ ቤን ጉርዮን መዕረፊ ነፈርቲ እስራኤል እናተጓዓዘት እንከላ፡ ናብ ክሊ ኣየር እስራኤል ከይትኣቱ ስለ ዝተኸልከለት፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተመልሰት ኣልጀዚራ ጸብጺቡ።
እታ ናይ ካርጎ ነፋሪት ንኽትምለስ ዝተገብረሉ ምኽንያት፡ ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪት ሓደ ናይ ኢንዶኔዥያ ዜጋ ብምንባሩ ከምዝኮነ ዝገለጸ ኣልጀዚራ፡ ዜጋታት ኢንዶኔዥያ ብፍሉይ ፍቓድ እንተዘይኮይኑ፡ ናብ እስራኤል ክኣትዉ ስለዘይፍቀዶም፡ እቲ ናይ ምምላስ ስጉምቲ ከምዝተወስደ’ዩ ዝገልጽክ