ህወሓት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ፌደራል መንግስቲ ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ይጥቀመሉ ስለ ዘሎ፡ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዝካየድ በረራታት ደው ክብል፡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ዝኾነ ይኹን ንጥፈታት ከይካየድን ኣጠንቂቑ።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ወሲኹ፡ ዕጡቕ ሓይሊ ሰራዊት ትግራይ ናብ ዝርከበሉ ከባቢታት ዝካየድ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ፡ ካብ ባጃጅ ጀሚሩ ደው ክብል ከምዝወሰነ ዘፍለጠ ኮይኑ፡ እቲ ብመንግስቲ ፌደራል ከምዝተሳዕረ ዝተኣወጀሉ ሓይሊ፡ ኣብ በረኻታት ኮይኑ የጠንቅቕ ምህላዉ፡ ኣብ ብዙሓት ወገናት ስክፍታን ጥርጣረን ክፈጥር ክኢሉ ምህላዉ’ዩ ዝእመን።
ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝኾነ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ንመጠንቀቕታ ህወሓት ስዒቡ ብመንገዲ ውልቃዊ ሕሳቡ ኣቢሉ ኣብ ዝዘርግሖ ግብረመልሲ ንህወሓት ብሽበራ ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ ዕማሙ ዝወድአ መሪሕነት ህወሓት፡ ናብ ዝተለምደ ናይ ሽበራ ተግባራቱ ክምለስ ከም ዝወሰነ ብግልጺ ኣሚኑ ኣሎ ብምባል፡ ንመግለጺ እቲ ውድብ ኮኒኑ።
መራሕቲ ህወሓት፡ ናብ መቐለ ዝበራ ሲቪላውያን ነፈርቲ ከም ዘውድቑን፡ ካልኦት ዝፍጽሙዎም ሰብኣዊ ሕጊ ዝጥሕሱ ኣሰቃቒ ገበናት ውን ከምዝፍጽሙ ኣሚኖም ኣለዉ ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ መግለጺ እቲ ጉጅለ ህዝቢ ትግራይ ካብዞም ዕቡያት ሰባት ናጻ እንተ ወጽዩ፡ ዝሓሸ ዕድል ከምዝህልዎ ዘርኢ ተወሳኺ መረጋገጺ ምዃኑ’ዩ ዝጠቅስ።
ካብ ዜናታት ትግራይ ከይወጻና፡ ብጉጅለ ህግደፍ ዝምራሕ ሰራዊት፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ድፋዓት ምዅዓት ጀሚሩ ምህላዉን፡ ምስ ሓይልታት ህወሓት ሓባራዊ ስርሒት ይካየድ ከም ዘሎን ተሰሚዑ።
እዚ ካብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፡ ክሳብ ዓዲ ኣሰር ናብ ዝተባህለ ከባቢታት ዝኣተወ ሰራዊት፡ ኣብዚ ሳልስቲ ካብቲ ከባቢ ብምውጻእ ኣብ ከባቢ ዶብ ናብ ዝርከባ፡ ዓዲ ጸጸርን ዲችናማን ናብ ዝተባህላ ዓድታት ተዘርጊሑ ከም ዘሎ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ምስ ሰራዊት ህወሓት ብምዃን ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ክፍጽም ከምዝኽእል’ዩ ዝንገር።
ገለ ውሑዳት ኣባል ኣርሚ 70 ዝኾኑ ናይ ህወሓት ተቓለስቲ ፡ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ተሓዊሶም ይንቀሳቐሱ ከም ዘለዉ ወሲኹ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ህግደፍን ህወሓትን፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ዲችናማ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ተኣኪቦም፡ ወተሃደራዊ ውጥን ከምዘቕረቡን ከምኡ’ውን ወተሃደራዊ ሓበሬታ ንምልውዋጥ ተሰማሚዖም ከምዘለዉን’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረጋግጽ።