ሩስያ ወጥሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንምሽምጋል ድልውቲ ምህላዋ ኣፍሊጣ።
ሩስያ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ንምፍታሕ፡ ናይ ምሽምጋል ተራ ክትጻወት ድልውቲ ምዃና ሓደ በዓል ስልጣን ሩስያ ገሊጹ።
ምኽትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣሌክሳንደር ኣሊሞቭ፡ ንጋዜጣ ኢዝቨስቲያ ሩስያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክልቲአን ሃገራት ፍቓደኛታት እንተኾይነን፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ሃገራት ሩስያ-ኣፍሪቃ፡ ንምዝርራብ ድልውቲ ምዃና’ኳ እንተገለጸ ፡ ድሌት ክልቲኦም ሓይልታት ህግደፍን ብልጽግናን ዝቀራረብ ብዘይምዃኑ ግን፡ ዕላማ ሩስያ ክዕወት ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ከምዘየለ’ዩ ዝንገር።
ኣሊሞቭ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ መንጐ ሃገሩ ሩስያ እሙናት መሓዙት እትብለን ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ ንሩስያ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡
ጐኒ ጐኒ እቲ ኣብ ሞስኮ ዝካየድ ሳልሳይ ዋዕላ ሃገራት ሩስያን ኣፍሪቃን፡ ብክልቲኤን ሃገራት ተቐባልነት ዘለዎ ፍታሕ ንክረኽባ፡ ወከልቲ እተን ሃገራት ዝራኸብሉ መድረኽ ንምፍጣር ድልዋት ኣለና ክብል’ዩ ዝገልጽ።
እቲ በዓል ስልጣን ወሲኹ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ዕድል ክጥቀማሉ ዝተላበወ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣብ 28ን 29ን ጥቅምቲ 2026 ኣብ ሞስኮ ክካየድ ምዃኑ ዝተገልጸ ዋዕላ፡ ንሰላም ድሉውነተን ከረጋግጻ ጸዊዑ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ህንዲ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ብሪክስ፡ ኣብቲ ኣብ ሞስኮ ዝካይድ ዋዕላ ሃገራት ሩስያን ኣፍሪቃን ንምስታፍ፡ ካብ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንዝቐረበሉ ዕድመ ከምዝተቐበለ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ናብ ሩስያ ተደጋጋሚ ምብጻሕ ዘካየደ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ግን፡ ምስ ብልጽግና ናይ ምዝታይ መደባት ከምዘየለ ተደጋጋሚ ግዜ ብናይ ባዶ ሰለስተ መሓውራቱ ኣቢሉ ይገልጽ ምስ ምህላዉ፡ ካብቲ ብሩስያ ዝቐረበ ናይ ዘተ መደባት ንምህዳም፡ ናብ ሩስያ ካብ ምጋሽ ክሕንድግ ከምዝኽእል’ዩ ዝግመት።
ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንዝተፈጥረ ወጥሪ ኲናት ስዒቡ፡ መሓዛ ክልቲኤን ሃገራት ዝኾነት ሩስያ፡ ግጭት ዘጋድዱ ስጉምቲታት ካብ ምውሳድ ክቑጠባን ፍልልያተን ብዘተ ክፈትሓን ጸዊዓ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ዕላማ ህግደፍን ብልጽግናን ካብ ጉዳይ ክልቲኤን ሃገራት ወጻኢ ብዞባውያን ሓይልታት ዝዝወር ብምዃኑ ፡ እቲ ናይ ሩስያ መደባት ክዕወት ከምዘይክእል’ዩ ዝእመን።
ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት እናሓርፈፈ ክመጽእ ዝጸንሐ ርክብ ክልቲአን ሃገራት፡ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተለዓለ ዳግማይ ኲናት ተኣሳሲሩ ኣብ ጫፍ ምብጽሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጊደዎን ጢመቴዎስ ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳቤ ፡ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ምትዅታኽ ተግባራቱ ናብ ዝልዓለ ደረጃ ከምዘብጽሖ ብምጥቃስ፡ ሜካናይዝድ ኣሃዱታት ዝርከብዎም ወተሃደራት ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከምዘእተወ ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ ነቲ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ክኸይድ ዝጸንሐ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከም ምኽንያት ብምጥቃስ፡ ቀዲሙ ወራር ከምዝተኣወጆ ምግላጹ ዝፍለጥ’ዩ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉቴረዝ ብወገኑ፡ ብዛዕባ እዚ እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ምትፍናን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ከቢድ ስግኣት ከም ዘለዎ ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኵሎም እቶም ናብ ግጭት ዝኣተዉ ወገናት ብህጹጽ ደው ክብሉን፡ ናብቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ውዕል ስምምዕ ሰላም ተመሊሶም ብዘተ ፍታሕ ከናድዩን ተማሕጺኑ።