ምንጪ ዕግርግር ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምኳን፡ ሉኡላውነት ሱዳን የመንን ኢትዮጵያን ጅቡትን ዝደፈረን፡ ብምድፋር ሉኡላዊ ግዛኣት ዝፍለጥን መራሒ ህግደፍ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ልዑላዊነት ሃገራት እንተዘይተኸቢሩ ዞባዊ ውህደትን ምርግጋእን ክፍጠር ከምዘይክእል ብምጥቃስ፡ ሉዑላውነት ሃገራት ክኽበር ጸዊዑ።
ውልቀመላኪ ኢሰያስ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ፡ ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ሞስኮ ኣብ ዝገሸሉ እዋን፡ ምስ ሩስያዊ መንግስታዊ ተለቪዢን ስፑትኒክ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ኮይኑ፡ እቲ ካብ ፈለማ ናጽነት ኣትሒዙ ኣብ ሱዳን ሓኒሽ፡ ጁቡትን ባድመን ወራር ዝፈጸመን፡ ኣብ ናይ ትማሊ ደማዊ ኲናት ትግራይ ውን ንሉዑኡላዊ ግዛኣት ኢትዮጵያ ዝደፈረን ውልቀመላኺ፡ ተግባራት ጉጅሉኡ ህግደፍ ንጎኒ ገዲፉ ሉዑላውነት ሃገራት ‘ይጠሓስን ይግሃስን’ ኣሎ ክብል ምድፋሩ፡ ንብዙሓት ትዕዝብቲ ፈጢሩ ይርከብ።
ንናጽነት፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራት ምኽባር፡ ዘሎን ዝነበረን መሰረታዊ መትከላት ስርዓተ-ዓለም እዩ ዝበለ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ኣብ 2020 ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብምእታው ትግራይ ዝፈጸሞ ወራር ገና እንከይተረሰዐ፡ መሰረታውያን ሉዑላውያን መትከላት ከየኽበርካ፡ ምስ ዝዀነ ወገን ዝሰርሕ ዝምድና ክትምስርት ኣይትኽእልን ምባሉ ትዕዝብቲ ፈጢሩ ይርከብ።
ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ሩስያ ሞስኮ ዝገበሮ መገሻ፡ መጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ንጎኒ ገዲፉ፡ ብዛዕባ ዓለማዊ ቅልውላው ክዛተ ናብ ሩስያ ምምጹኡ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ዝኮነ ይኹን ልምዓታዊ መደባት ኣካይዱ ዘይፈልጥ መራሒ ናይ ጥፋኣት ጉጅለ ዝኮነ ውልቀመላኺ፡ ጉዳይ ኤርትራ ንጎኒ ገዲፉ ብዓለማዊ ስርዓት ክጭነቅ ምምራጹ ንባዕሉ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት ዘንጸባርቅ’ዩ።
ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ኤርትራ ብሰንኪ ውዱቅ ስርዓተ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ከቢድ ናይ ህላወ ሓደጋ ገጢምዋ፡ ህዝባ ኣብ ከቢድ ስክፍታ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነፈርቲ ኲናት ዓዲጉ፡ ብዛዕባ ዕብየት ሃገሩ ዘትዩን፡ ናይ ምድማር ሓሳቡ ኣካፊሉን ኣብ ዝተመልሰሉ መድረኽ፡ ብዛዕባ ዓለምለካዊ ጭንቀት ይሳቀ ምህላዉ ክገልጽ ምፍታኑ፡ ብጣዕሚ ዘጉህን ዘሕዝንን’ዩ።
ቅድሚ እቲ ዋዕላ ጋዜጣዊ መብርሂ ዝሃበ ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ፡ ነተን ክልተ ሃገራት ናይ ምዝርራብ ተራኦም ክዋጽኡ ድሉዋት ምዃኖም ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ይኩን እምበር እቲ 2ቲኦም መራሕቲ ዝተረክብሉ ናይ ሩስያ ኣኬባ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝኮነ ይኩን ምዕባለ ከይፈጠረ ምዝዛሙ’ዩ ዝንገር።
ሩስያ ኣብ’ቲ ናይ ሩስያ ኣፍሪቃ ዋዕላ፡ ንኢትዮጵያ 12 ዘመናውያን ነፈርቲ ኲናት ከምዘዕጠቀትን፡ ብዙሕ ወተሃደራዊ ደገፋት ክትገብረላ ምኳናን ምግላጻ ዝዝከር ኮይኑ፡ ባኣንጻሩ ጸላኢ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝኮነ ውልቀመላኺ ካብ ቀጥታዊ ጉዳይ ኤርትራ ሃዲሙ፡ ብዛዕባ ስጋኣት ሩስያን ከበባ ምዕራባውያን ሃገራትን ክዛረብ ምምራጹ፡ እቲ ውልቀመላኺ ምስ ሃገርና ንዘለዎ ክቱር ጽሊኢ ዘጉልሕ’ዩ።
ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብ ቃለመሕተቱ፡ ነቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ብዓይኒ ረብሓታት ኤርትራ ጥራይ ከምዘይርእዮ ዘነጸረ ኮይኑ፡ ጠመተና ብኤርትራ ወይ ረብሓታት ኤርትራ ጥራይ ዘተኮረ ኣይኮነን፡ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ውን ዘራኽብ የብሉን ድሕሪ ምባሉ፡ ኤርትራ ወይ ካልኦት ሃገራት ብንጽል ንግዳዊ ዝምድናታት ክምስርታ ክውንነታዊ ከምዘይኮነ’ዩ ክምጉት ዝፍትን።
እቲ ዝምድና ወይ ስትራተጂያዊ ሽርክነት ኣብ መወዳእታ ንዓለማዊ ዕንቅፋታት’ዩ ክፈትሕ ዘለዎ ዝበለ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ኢሳያስ፡ መሰረታዊ ጸዓትን ቀረብ ማይን መግብን ንዘየውሓሰት ውድቅቲ ሃገር እንዳመርሐ፡ እዚ ዘሎ ዓለማዊ ፋይንሳዊ ስርዓት ዓቢ ዕንቅፋት’ዩ” ብምባል ኣውሮጳ ይዅን ምዕራባውያን ሃገራት ብሓፈሻ ንዝኽተልኦ ፖሊሲ ምንቃፉ፡ እቲ ካልእ ትዕዝብቲ ዝፈጠረ ክስተት ምንባሩ’ዩ ዝእመን።
ውልቀመላኪ ኢሰያስ ኣብ ቃለመሕተቱ፡ ንጉዳይ ሉዑላውነት ኤርትራ ጎቦ ጎቦ እንዳበለ ትንክፍ ከብሎ ፈቲኑ ምንባሩ ውን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዘይወግዓዊ ቃላት ስግኣት ስልጣን ይስምዖ ምህላዉን፡ ኢትዮጵያ ወራር ንኸይትፍጽም ዓገብ ክትበሃል ከምዝግባእን’ዩ ወሲኹ ተማሕጺኑ ዝርከብ።