ጉጅለ ህግደፍ፡ ብመንገዲ ኣፈኝኡ ሚኒስተር ሓበሬታ የማነ ቻርሊ ኣቢሉ ኣብ ዝጸሓፎ ናይ ኤክስ መልእኽቲ ፡ ፖተምኪን ፓርቲ ክብል ዝገለጾ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ 12 ሱ-35 ዝዓይነተን ነፈርቲ ኲናት ካብ ሩስያ ምዕዳጉ ነቒፉ ።
ኣፈኛ ጉጅለ ህግደፍ የማነ ቻርሊ ኣብ ቃላቱ፡ ደገፍቲ ኲናትን ሰልፊ ብልጽግናን ዝኾኑ ኣካላት፡ ድሕሪ ዕድጊ 12 ሱ-35 ነፈርቲ ኲናት ኢትዮጵያ፡ መጠኑ ዝሓለፎ ሓጎስን ፈንጠዝያን የንጸባርቑ ምህላዎም ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ደገፍቲ ብልጽግና ምግዛእ 12 ነፈርቲ ኲናት፡ መንግስቲ ፌደራል ናይ ቅድመ መጥቃዕቲ ኲናት ናይ ምክያድ ዓቕሙ ከም ዘዕቢ’ዮም ዝኣምኑ ድሕሪ ምባሉ፡ እዚ ኣካይዳ’ዚ ናብ ሕጋዊን ጸጥታዊን ጸገማት ከም ዘእቱ’ዩ ዘጠንቅቕ።
ሚኒስተር ዜና ጉጅለ ህግደፍ የማነ ቻርሊ ኣስዒቡ፡ ሰልፊ ብልጽግና ንንውሕ ዝበለ እዋን ብርክት ዝበለ ናይ ኲናት ኣጽዋር ክገዝእ ከም ዝጸንሐ ብምጥቃስ፡ እዚ ሓድሽ ዕድጊ ኣጽዋር ርጉእነት እዚ ዞባ ካብ ዝነበሮ ሕማቕ ፡ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ደረጃ ካብ ምስግጋር ወጻኢ፡ ጸገም ኣብ ከቢድ ድኽነት ዝነብሩ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣይፈትሕን’ዩ ዝበለ ኮይኑ፡ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ርእዩዎ ኣብ ዘይፈልጥ ናይ ድኽነት ጸልማት ክነብር ዝፈረደ ጉጅለ ገዝኡ ገዲፉ ብዛዕባ ድኽነት ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ክጭነቕ ምምራጹ፡ ንግሁድ ምስሊ እቲ ጉጅለ ዘንጸባርቕ’ዩ ።
ኣስታት 70% ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣብ ብዙሕ መዳያዊ ድኽነት ከም ዝነብሩ ወሲኹ ዝጠቐሰ ኣፈኛ ህግደፍ ቻርሊ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ውሽጣዊ ረጽምን፡ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ዘጋጥሙ ግጭታትን እናዓበዩ ይኸዱ ምህላዎም ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ሞያሌ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ኦሮሞን ሶማልን ንዘጋጠመ ምትፍናን ከም ኣብነት ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኤርትራ ኣብ ግብ ዝበለ ጸልማት እንዳሃለወት ብዛዕባ ግጭትን ጸገማትን ኢትዮጵያ ክሕለቕ ምፍታኑ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ከም ሓላዊ ሃገር ክርእይዎ ንዝፍትኑ በለጸኛታት ደገፍቱ ዓቢ ጽፍዒት’ዩ።
ውድቀት ኤርትራ ሸፊኑ፡ ግጭታት ኢትዮጵያ ቀንዲ ምንጮም፡ ናይ ምሕደራ ጸገማት ስርዓት ብልጽግና’ዩ ዝበለ የማነ ቻርሊ፡ ኣብ መወዳእታ ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያት ሰልፊ ብልጽግና ጌጋ ምዃኖምን፡ እቲ ስርዓት ዝመረጾ ሓደገኛ መንገዲ ይቕጽሎ ምህላዉን ክነቅፍ ምፍታኑ፡ ንብዙሓት ትዕዝብቲ ፈጢሩ ይርከብ።