መንግስቲ ሱዳን ብድሮናት ኢትዮጵያ ተጠቒዐ ክብል ከሲሱ።
መንግስቲ ሱዳን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ቦታታት፡ መኽዘን ነዳዲ፡ ትሕተ-ቅርጺ ጸዓትን ዝተፈላለዩ ዞባታት ሱዳንን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ኢድ ኢትዮጵያ ከም ዘለዎ ከሲሱ ክብል፡ ማዕከን ዜና መንግስቲ ሱዳን (ሱና) ገሊጹ።
መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጽን መደበራት ጸዓትን፡ ከምኡ ውን ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት እታ ሃገር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብርእሰ-ቅትለታውን ከምኡ ውን ስትራተጂያውን ድሮናት ኢትዮጵያ ከምዝተፈጸመ ብምኽሳስ፡ ብልጽግና ኢድ ከምዘለዎ ዘረጋግጽ መርትዖ ከምዘቕረበ’ዩ ቴለቪዥን ሱና ዝገልጽ።
ብመሰረት ጸብጻብ ማዕከን ሓበሬታ ሱና፡ ሰበስልጣን ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻእን ሓበሬታን፡ ከምኡ’ውን ትካል ስለያ እታ ሃገር ዝዀኑ ሰበስልጣን፡ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ትሕተ-ቅርጺ ዞባ ካርቱም፡ ጀዚራ፡ ዋይት ናይል፡ ስናርን ገዳርፍን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ካብ ውሽጢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዝተበገሰ ምዃኑ ዝገለጹ ኮይኖም፡ እቲ መጥቃዕቲ ሰልፊ ብልጽግና ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግጭት ሱዳን ይሳተፍ ምህላዉ ዘረጋግጽ ምዃኑ’ዮም ዝጠቕሱ ።
እቲ ማዕከን ዜና ንሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኣል-ቡርሃን ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ ሓበሬታ፡ እተን ብሰራዊት ሱዳን ተወቒዐን ዝወደቓ ድሮናት፡ ብምዕቡል ናይ ሶፍትዌር ድጋፍ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፡ መበገሲአን ከምኡ ውን ከም መተሓላለፊ ዝጥቀማሉ መስመር፡ ውሽጢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዝርከብ መዕረፊ ነፈርቲ ባህርዳርን፡ ናብቲ ከባቢ ቅርበት ዘሎዎም ቦታታት ምዃኖምን ዝጠቐሰ ኮይኑ ፡ ምክትል ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ሱዳን ምዓውያ ዑስማን ኻልድ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ብኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ዕሽሽ ንከይብሎ ጸዊዑ።
ሱዳን ግዝኣታ ናይ ምክልኻል መሰላ ዝተሓለወ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ሱዳናዊ በዓል ስልጣን፡ ንኽልቲኤን ሃገራት ኢትዮጵያን ኢማራት ዓረብን፡ ንዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ንምድጋፍ ዝገብርኦ ዘለዋ ወራር ደው ከብላ ዘተሓሳሰበ ኮይኑ፡ ጥርዓን ሱዳን ጸማም እዝኒ ዝወሃቦ እንተኾይኑ ፡ ሱዳን ኣራሚ ስጉምቲ ክትወስድ ከገድዳ ከምዝኽእል’ዩ ዘጠንቅቕ።
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ድሮናት፡ ኣብ ሓያሎ ዞባታት ሱዳን ንዝርከቡ መደበራት ጸዓትን መኽዘን ነዳድን ከም ዘዕነወን፡ ምቍራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣስዒቡ ምንባሩን ዝዝከር ኮይኑ፡ በዚ መጥቃዕቲ ዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ክኽሰስ ምጽንሑ ውን ዝፍለጥ’ዩ።