ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ መንግስቲ ኬንያ ንሓተትቲ ዑቕባ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበር ዝነበረ ምዝገባ፡ ዳግማይ ብቕጽበት ክጅምር ብምእዛዝ፡ ንሓደ ዓመት ዝጸንሐ ምድንጓይ፡ ዘይሕጋዊ ኣድልዎ ዝመልኦን ምስ ናይ ኬንያ ግዴታ ሓለዋ ስደተኛታት ዝጻረርን እዩ ክብል ውሳነ ሂቡ።
እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ካብ ሓምለ 2025 ኣትሒዙ፡ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ስርዓት ዑቕባ ስደተኛታት ኬንያ ከይኣትዉ ዝኸልከለ መምርሒ መንግስቲ፡ ብወግዒ ኣፍሪስዎ ምህላዉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እዚ ውሳነ እዚ፡ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ሕጋዊ ክርክር፡ ኣሽሓት ሓተትቲ ዑቕባ ጕዳዮም ዳግማይ ንክርአ መንገዲ ዝጸርግ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ንሓተትቲ ዑቕባ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበር ዝነበረ ምዝገባ፡ ብቐጥታ ዳግማይ ክጅምር ብምእዛዝ፡ ነቲ ብምኽንያት “ጸጥታን ጸረ-ንግዲ ደቂ-ሰባትን” ደው ኢሉ ዝነበረ መስርሕ ዝስርዝ ውሳነ ከምዘሕለፈ ዘፍለጠ ኮይኑ፡ ኣብ’ቲ ብ19 ጥቅምቲ 2026 ዝተውሃበ ውሳነ፡ ዳኛ ግረጎሪ ሙታይ፡ እቲ ዝጸንሐ ምድንጓይ ዘይሕጋዊ፡ ኣድልዎ ዝመልኦን ንቕዋም ኬንያን ምስ ስደተኛታት ንዘለዋ ኣህጉራዊ ግዴታን ዝጥሕስ እዩ ክብል ‘ዩ ፈሪዱ ዝርከብ።
እዚ ኽሲ ዝቐረበ፡ ብውህደት ተጣበቕቲ ትካላት መሰል ስደተኛታትን፡ መሰል ደቂ-ሰባትን ኰይኑ፡ ረፊዉጂ ሌጋል ኔትዎርክስ፡ ሃገራዊ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ፡ ኮንሰርሽየም ስደተኛታት ኬንያ፡ ኪቱኦ ቻ ሸሪዓ፡ ከምኡ’ውን ንፋውንደሽን ሳንክችዋሪ ዘጠቃለለ ሕብረት፡ ንመንግስቲ ኬንያ ከምዝረትዐ’ዩ ዝንገር።
ንኢትዮጵያ ስዒበን፡ ኬንያን ኡጋንዳን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ተቀራራቢ ግዜ ምዝገባ ስደተኛታት ደው ምባለን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብሰንኪ’ዚ መሰል ስደተኛታት ዝግህስ ውሳነ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ኣብ ከቢድ ሽግር ወዲቆም ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ግን ኬንያ ሓደስቲ ኤርትራውያን ንምቅባል ፍቃደኛ ኮይና ምህላዋ፡ ንብዙሓት ተስፋ ኮይኑ ይርከብ።