ቻይና ወጥሪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ንምፍታሕ ተበግሶ ወሲዳ።
ቻይና፡ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ኲናት ንምዝሓልን ንምፍታሕን፡ ቀጥታዊ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ ከምዝጀመረት ተገሊጹ።
በዚ መሰረት ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ናብ ኣስመራ ብምምራሕ፡ ምስ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ቀጥታዊ ርክባት ከምዘካየደ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ውን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጊደዎን ጢሞቴዎስ፡ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ሊዩ ዢያንፋ ብምርኻብ፡ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝተኻየደ ተገሊጹ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጊደዎን ጢመቴዎስ ኣብ መግለጺኡ፡ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ሰላምን ጸጥታን ንምስፋን “ሃናጺ ተራ” ክትጻወት ምዃና፡ ብመንገዲ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ከምዘረጋገጸት ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ ብመንገዲ ኣምባሳደሩ ሶፍያ ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ይውረር ኣለኹ ወራር ደው ከይበለ ክዛተ ፍቃደኛ ኣይኮንኩን ክብል ተሰሚዑ።
ዲፕሎማስያዊ ጉዕዞ ቻይና ድንገት ዝተኸስተ ከምዘይኮነ ዝጥቀስ ኮይኑ፡ ኣብ ጂቡቲ ዓቢ ወተሃደራዊ መዓስከር እትውንን ቻይና፡ ብመንገዲ መደብ “ሓደ ቅናት፡ ሓደ ጐደና” ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዓበይቲ ቍጠባዊ ወፍርታት ከተካይድ ብምጽንሓ፡ ንግጭት ክልቲኤን ሃገራት ከምዘይትድግፍ ዝእመን’ዩ።
እዚ ወጥሪ እዚ ናብ ኲናት እንተዓሪጉ፡ ኣብ ልዕሊ ቁጠባዊ ረብሓታት ቻይና ኣሉታዊ ጽልዋ ስለ ዘሕድር፡ እታ ዓባይ ሃገር ፖለቲካዊ ምርግጋእ ንምስፋን ትጽዕር ምህላዋ ተንተንቲ ፖለቲካ ዝገልጹ ኮይኖም፡ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሁ ቻንግቹን፡ ንተመሳሳሊ ዕላማ ኣብዚ ወርሒ ሕዳር ናብ ኤርትራ፡ ጂቡቲን ግብጽን ክበጽሕ መደብ ከምዘለዎ’ዩ ዝንገር።
ቁጠባዊ ፖለቲካ ብምስራሕ እትፍለጥ ቻይና ብወጥሪ ዞባና ስግኣት ከምዘለዋ ዝገልጹ ተንተንቲ ፖለቲካ ፡ ዝምዕብል ዘሎ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ብዝፈረመቶ ስምምዕን፡ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ሞቓዲሾን ዘሎ ዝደብዘዘ ዝምድናን፡ ከምኡ ውን ኣብ ሃገረ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ግጭት ሓድሕድ፡ ኣብተን ሃገራት ዓቢ ቁጠባዊ ወፍሪ ኣብ ምክያድ ንዝጸንሐት ቻይና ምሒር ኣሻቒልዋ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።