ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ በቲ ኣብ ርእሰ-ከተማ ክልል ትግራይ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ገበናት ብምስጋእ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣዋጅ እገዳ ለይታዊ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ከምዘጽንዐን፡ ገዛ ገዛ እንዳኸድካ ዝካየድ ጸጥታዊ ፈተሻ ከምዝፈቐደን ዘፍለጠ ኮይኑ፡ ነበርቲ ዘይሕጋዊ ኣጽዋሮም ከረክቡ ኣዚዙ።
ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓሙስ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መምርሒ፡ ኣብታ ከተማ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ጸጥታ፡ ዝተወሰነ ምምሕያሽ እኳ እንተኣርኣየ፡ ገበናዊ ንጥፈታት ንምግታእን፡ ድሕነት ህዝቢ ንምሕያልን ዝዓለመ፡ ተወሳኺ ስጉምቲ ከምዘድሊ ብምግምጋም ነቲ ኣዋጅ ከምዘጽንዐ’ዩ ዝገልጽ።
ብመሰረት እቲ ሓድሽ ሕግታት፡ ካብ ትማሊ ምሽት ኣትሒዙ፡ ንኹሉ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ፡ ሞተር ሳይክል፡ ባጃጅ፡ ብሽክለታታት ከበድቲ ናይ ጽዕነት መካይንን ሓዊሱ፡ ካብ ምሸት ሰዓት 08:00 ክሳዕ ንግሆ ሰዓት 06:00 ከይንቀሳቐሳ ዝኣገደ ኮይኑ፡ ሓይልታት ጸጥታ ፌደራል ብተወሳኺ ካብ ንግሆ ሰዓት 06:00 ክሳዕ ምሸት ሰዓት 06:00 ኣብ ዘሎ ሰዓታት፡ ናይ ገዛ-ገዛ ፍተሻ ክገብሩ ፍቓድ ምሃቡ’ዩ ዝገልጽ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ ፡ ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ኢዶም ዘሎ ዘይተመዝገበ ብረትን፡ ካልእ ኣጽዋር ኲናትን ብህጹጽ ከረክቡ፡ ናይ ሰለስተ መዓልታት ግዜ ከምዝሃበ ዘፍለጠ ኮይኑ፡ ድሕሪ እቲ ዝተቐመጠ ናይ ምሕረት ገደብ ግዜ፡ ዝዀነ ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድ ኣጽዋር ሒዙ ዝተረኽበ ሰብ ብሕጊ ክኽሰስ ምዃኑ’ዩ ኣጠንቂቑ ዝርከብ።
ነበርቲ እታ ከተማ፡ ብሰንኪ ዝተወደቡ ናይ ገበን ጉጅለታትን ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ውልቀ-ሰባትን፡ ንዝተፈላለየ ጸጥታዊ ስግኣታት ተቓሊዑ ብምህላዉ፡ ኣራሚ ስጉምቲ ምውሳድ ኣድላዪ ኮይኑ ከምዝረኸቦ ዝጠቐሰ እቲ ሰራዊት፡ ህዝቢ በቲ መምርሒ ብዝግባእ ከኽብሮን ጸጥታ እታ ከተማ ኣብ ምኽባር ክተሓባበርን ጸዊዑ።
ናይ ገዛ ገዛ ፈተሻ፡ ኣብቲ ዝተነጸረ ሰዓታት ቀትሪ ጥራይ ከም ዝካየድን፡ ነበርቲ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ክተሓባበሩን፡ ብስም ጸጥታ ዘይተፈቕደ ስርሒታት ዘካይዱ ውልቀ-ሰባት ከቃልዑን ዝጸውዐ እቲ ሰራዊት፡ እቲ ኣዋጅ ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ተግባራዊ ከምዝኾነን ፡ ከተማ መቐለ ጸምያ ከምዝሓደረትን’ዩ ካብታ ከተማ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘነጽር።