ህግደፍ ምስ ሓይልታት ፋኖ ብምዃን ፡ ኣብ ከባቢ ዳባት ደማዊ ግጥማት የካይድ።
ኣባላት ስለያን ምክትታል ዶባትን ህግደፍ፡ ምስ ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖ ናይ ክልል ኣምሓራ ብምዃን ፡ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ደማዊ ግጭት የካይድ ምህላዉ ተገሊጹ።
እቲ ኣብ 30 ጥቅምቲ 2026 ዝተኸስተ ግጭት፡ ሃጅራ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢታት ዝተኸስተን ፡ ኣባላት ስለያን ምክትታል ዶባትን ህግደፍ፡ ምስ ሓደ እዚ ናይ ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖ ተስሊፎም፡ ናብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝኸፈትዎ ቶኽሲ ምንባሩን ዝጠቐሱ ምንጭታት ኤሪፒኤም ፡ ኣብቲ ምሉእ መዓልቲ ዝተኻየደ ደማዊ ግጭት፡ ብኹሎም ወገናት ከቢድ ሰብኣዊ ክሳራታት ከምዝነበረ’ዩ ዘረጋግጽ።
ኣብቲ ወተሃደራዊ ረጽሚ መውጋእቲ ዝበጽሖም ሰራዊት ህግደፍ፡ ንሕክምናዊ ረድኤት ናብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ባረንቱ ከምዝተወስዱ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ናይ ሸሞንተ ውጉኣትን ክልተ ስውኣትን ቁጽሪ ተመዝጊቡ ምህላዉ’ዮም ዘረጋግጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ከባቢ ዳባት ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በብግዚኡ ክወርዶም ዝጸንሐ ከቢድ ጸገማት ጌና ይቕጽል ምህላዉ ነበርቲ እቲ መዓስከር ሓቢሮም።
ብመሰረት እቲ ዝተዋህበ ሓበሬታ፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ናብቲ መዓስከር ብኣካል ብምብጻሕ ምስ ስደተኛታት ክዘራረቡ መደብ ሒዞም እኳ እንተነበሩ፡ ኣብ ጎንደር ምስ በጽሑ ብሓይልታት ጸጥታ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ከም ዝተመልሱ ውን’ዮም ነበርቲ እቲ መዓስከር ዝገልጹ።
እቶም ወከልቲ ስደተኛታት ዝኾኑ ነበርቲ እቲ መዓስከር ኣብ ሓበሬታኦም ፡ እዚ ተግባር እዚ ኣብቲ መዓሰከር ንዘሎ ሓቀኛ ኩነታት ንከየጋልጽ ተባሂሉ ዝግበር ፈተነ እዩ ክብሉ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ሽግር ኤርትራውያን ሰማዒ ንኸይረክብ ይስራሕ ምህላዉ’ዮም ወሲኾም ዝጠቕሱ ።
ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ዘሎ ጉዳይ ጥዕና ስደተኛታት ውን ብተመሳሳሊ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ከም ዘይተፈትሐ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቶም ገንዘብ ዘለዎም ስደተኛታት ሕክምና ክረኽቡ እንከለዉ፡ እቶም መድሃኒት ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ዘይብሎም ስደተኛታት ድማ ንከቢድ ሓደጋታት ጥዕና ከም ዝተቓልዑ’ዮም ዝገልጹ።
ጉዳይ ወረቐትን መለለይን እውን ብተወሳኺ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዘይተፈትሐ ኮይኑ፡ ወረቐቶም ንምሕዳስ ዝተወስደ ብዙሓት ስደተኛታት፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ክልተ ዓመት ምሉእ ብዘይ መንነት ይነብሩ ከም ዘለዉን፡ ብዙሕ ጸገማት ይገጥሞም ምህላዉን’ዮም ዝገልጹ።
እቶም ወከልቲ ኣብ ቃላቶም፡ ኣብ ውሽጢ እቲ መዓስከር ንዘጋጥሙ ጸገማትን ሰብኣዊ ጥሕሰትን ዝስከም ንጹር ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል የለን ዝበሉ ኮይኖም፡ በዚ ምኽንያት ስደተኛታት ንብዙሕ ጸገማት ተቓሊዖም ብቕሉዕ ይጭወዩን ይብደሉን ምህላዎም’ዮም ዝገልጹ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ውን ሓደ ኤርትራዊ ኣብ ከተማ ከም ዝተጨውየን፡ ኣባላት ሓለዋ እቲ መዓስከር ውን ምስ ጨወይቲ ቶኽሲ ከም ዝኸፈቱን ዝገለጹ እቶም ወከልቲ፡ ናይ ዝተኮስናዮ ጠያይት ሕሳብ ሃቡና ብምባል ምስ ወከልቲ እቲ መዓስከር ናብ ምውጣጥ ክኣትዉ ምፍታኖም ንባዕሉ፡ ኩነታት እቲ መዓስከር ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ዘንጸባርቕ’ዩ ።