ሑቲ፡ ስዑዲ ዓረብ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ 33 ሰባት ከምዝቐተለት ገሊጹ።
ስዑዲ ዓረብ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ብውሕዱ 33 ሰባት ከምዝተቐትሉ፡ ምስ ምንቅስቓስ ሑቲ ምትእስሳር ዘለዎም ማዕከናት ዜና ሓቢሮም።
ድሕሪ’ቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብሑቲ ዝመሓደር መደበር ተለቪዥን ኣል-ማሲራ ዘሕለፎ ቀጥታዊ ቪድዮ፡ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ርእሰ ከተማ ሰንዓ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣል-ሸሪያ፡ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደን፡ ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት እታ ከተማ ካብ ፍርስራስ ሓያሎ ህንጻታት ሬሳታት ክስሕቡ ከምዝተራእዩን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ብደረጃ ዓለም ተፈላጥነት ንዘለዎ መንግስቲ ዝድግፍ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ግን፡ ነዚ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ርእይቶ ኣይሃበን።
እቲ መደበር ተለቪዥን ኣብ መግለጺኡ ብቑጽሪ ብርክት ዝበሉ ዝተጎድኡ ሰባት፡ ተጸይሮም ናብ ሆስፒታል ክውሰዱ ከምዝተራእየ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ’ውን
ሬሳታት ንኣሽቱ ህጻናት ኣብ መንጎ እቶም ካብቲ ዑናታት ዝወጹ ግዳያት ይርአ ምንባሩ’ዩ ዝገልጽ።
ብሑቲ ዝመሓደር ማዕከን ዜና ሳባ ብወገኑ፡ እቲ መጥቃዕቲ ትማሊ ቀዳም ብስዑዲ ዓረብ ከምዝተፈጸመን፡ 39 ሰባት ከምዝቖሰሉን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ስዑዲ ዓረብ ምሉእ ሓላፍነት ክትወስደሉ ምዃና ውን’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣብ የመን ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት፡ ንሓያሎ ዓመታት ዘይንጡፍ ኲናት ኮይኑ ክቕጽል እኳ እንተጸንሐ፡ ብሰንኪ ኲናት ኢራን ግን ዳግማይ ተወሊዑ፡ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ተጀሚሩ ዝነበረ መስርሕ ዕርቂ ውን፡ ስዑዲ ዓረብ ሑቲ ኣብ ዝቆጻጸሮ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ፡ ነፋሪት ኢራን ከይትዓልብ ብዝብል ምኽንያት መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ ፡ እቲ ዘተ ከምዝተበተነ ዝዝከር’ዩ።
ድሕሪ’ዚ ፍጻመ’ዚ ብቴህራን ዝድገፍ ዕጡቕ ሓይሊ ሑቲ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብሃ ዒላማ ምግባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ንቀይሕ ባሕሪ ከም ኣማራጺ መስመር ሰደድ ነዳዲ ክጥቀማሉ ንዝጸንሓ መራኽብ ስዑዲ ዓረብ ክሃርም ምጅማሩ ውን፡ ሱዕዲ ዓረብ ናብ ምሉእ ኲናት ንክትኣቱ ገዲድዋ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ሑቲ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ መጥቃዕቲ ብስዑዲ ከምዝተፈጸመ ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ ሓይልታት መንግስቲ ብወገኖም ሑቲ ናብቲ ቦታ ሚሳይል ከምዝተኮሱ’ዮም ዝወቕሱ።
ዞባዊ ግጭት የመን ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ዝውላዕ ንኔው፡ ልዕሊ 1600 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 300 ሽሕ ዜጋታት የመን ውን ከምዝተመዛበሉ’ዩ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ዝገልጽ።