ናብ ኤርትራ ክሰግሩ ዝሓሰቡ ሽዱሽተ መራሕቲ ከምዝተታሕዙ ተገሊጹ።
ብከባቢታት ራማ ኣቢሎም ናብ ኤርትራ ክሰግሩ ሓሲቦም ዝነበሩ፡ ሽዱሽተ ናይ ቀደም ኣገደስቲ መራሕቲ ህወሓት፡ ካብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ በረኻ ብዝተዋህበ ሓበሬታ መሰረት፡ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣትዉ ከምዝተገብረ፡ ዘይወግውያን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።
እቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ዝኣተዉ ኣባል መሪሕነት ህወሓት ዝነበሩ ሰበ-ስልጣናት፡
ሓላፊ ሰላምን ጸጥታን ትግራይ ነበር ተወልደ ብርሃን፡ ሓላፊ ዕጡቕ ሓይሊ ምልሻ ትግራይ ነበር ገ/ጻድቃን ገ/ስላሴ፡ ሓላፊ ጸጥታን መረዳእታ ሓበሬታን ትግራይ ነበር ገ/ኪዳን ኪዳኑ፡ ምክትል ሓላፊ ጸጥታ ትግራይ ነበር ኣባዲ ገብሩ፡ ሰራሕተኛ ቤትጽሕፈት ምልሻ ትግራይ ነበር ወልዱ መስፍን፡ ከምኡ ውን መራሒ መኪና ናይቲ ውድብ ነበር ኣማኑኤል ዘርኡ ኮይኖም፡ ብሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተታሒዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምህላዎም’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረጋግጽ።
እዞም ሲቪላውያን መራሕቲ ህወሓት፡ ኣርባዕተ ክላሽን-ኮቭ፡ ሓሙሽተ ሽጉጥ፡ ሓንቲ ሳተላይት ቴለፎን፡ ከምኡ ውን 134,000 ብር ሒዞም ከምዝተረኽቡ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፡ ናብ ኤርትራ ክሰግሩ ኣብ መደብ እንዳሃለዉ ከምዝተታሕዙ’ዩ ወሲኹ ዘረጋግጽ።
ካብ ዜናታት ትግራይ ከይወጻና፡ ሰራዊት ትግራይ ሃፍትን ጥሪትን ህዝቢ ትግራይ ንምውራርን ንምብስባስን፡ ኣብ ወረዳ ዓዲ ኣርባዕተ ጣብያ ወዲ ዓምበራይ ኣብ ልዕሊ ዝኣተወ ሓይሊ ጸላኢ፡ በርቃዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመን ልዕሊ 1200 ሰራዊት ጸላኢ ከምዝደምሰሰን ውድብ ህወሓት ገሊጹ።
ዕሱብ ሰራዊት ብልጽግና ብሸፋቱ ባንዳታት እናተመርሐ፡ ዓሳ ንምሓዝ ባሕሪ ምንጻፍ ካብ ዝብል ኣረሜናዊ ስልቱ ተበጊሱ፡ ሃፍትን ጥሪትን ህዝብና ብምውራርን ብምዕናውን፡ ከምኡ ውን ሞራል ህዝብና ንምድናንን ሰፊሕ ወፍሪ ኣብ ምክያድ ይርከብ ዝበለ ህወሓት፡
ከም ኣካል ናይዚ ወፍሪ’ዚ፡ ናብ ወረዳ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ጣብያ ወዲ ዓምበራይ ዝኣተወ ሰለስተ ክፍለ ሰራዊት፡ ብሰራዊት ትግራይ ከቢድ ስዕረት ከምዝወረዶ’ዩ ዝገልጽ።
ጸላኢ ብኣንፈት ጭላ ኣቢሉ ናብቲ ከባቢ ከምዝኣተወን፡ ካብ ዓስራይ እዚ ኮር 303፡ ንክፍላተ ሰራዊት 77፡ 64ን፡ 74ን ከም ዘዋፈረ ዝጠቐሰ ህወሓት፡ ካብ ዓዲ በርበረ፡ ዓዲ በራሕ፡ ዲጋዲግ፡ ሩባ ጸሮና፡ ምድማር መረብ ክሳብ እግሪ ጠራውር ዝሸፈነ ከቢድ ውግእ ከምዘካየደን፡ ግዙፍ ሓይሊ ጸላኢ ከምዝደምሰሰን’ዩ ዝገልጽ።