ሽማግለ ምክልኻል ጋዜጠኛታት (CPJ) ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባቶም ን25 ዓመታት ዝኣሰሮም 16 ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን፡ መርትዖ ህይወት ከቕርብን ብህጹጽ ክፈትሖምን ከምዝጸውዐ ፐን ኤርትራ ገሊጹ።
ብመሰረት ሓበሬታ ፐን ኤርትራ፡ እዚ ጻውዒት እዚ ፡ ብሰሉስ ዓሰርተ ሕዳር 2026 ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣፍሪቃውያን ኢንቨስቲጌቲቭ ጋዜጠኛታት ዝቐረበ ኮይኑ፡ ዳይሬክተር CPJ ጆዲ ጊንስበርግ ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ስድራቤታት ብዛዕባ ዘፍቅሩዎም ኣባላቶም፡ ንርብዒ ዘመን መመላእታ መልሲ ስኢኖም ይርከቡ ድሕሪ ምባል፡ እቶም ጋዜጠኛታት ብማእሰርቶም ዘይኰነ፡ በቲ ኣብ ዓውደ ጋዜጠኝነት ዝነበሮም ኣበርክቶ ኣፍልጦ ክወሃቦም ከም ዝግባእ ምግላጻ’ዩ ሓበሬታ ፐን ኤርትራ ዝገልጽ።
ሽማግለ ምክልኻል ጋዜጠኛታት CPJ፡ ንቆራጽነቶምን ዝኸፈሉዎ ዋጋን ኣፍልጦ ከም ዝሃቦም ወሲኹ ዘረድአ ፐን ኤርትራ፡ እቲ ናይ ክብሪ ኣፍልጦ፡ ‘ኣብ ኣህጉራዊ ሽልማት ናጽነት ፕረስ 2026’ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ክብርከተሎም ምዃኑ ከምዘበሰረት ውን’ዩ ዝገልጽ።
ኣባል ፐን ኤርትራ ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርግኣለም ፍስሃ፡ ኣብቲ መድረኽ ተረኺባ ብኸመይ ምስዘን ጋዜጣታት ብሕቲ ከም ዝተላለየት፡ ዝፈጠራላ ባይታን ገሊኦም ካብ ኣሰናዳእተን ብሕልፊ ድማ ኣማኑኤል ኣስራት ዝፈጠሩላ ጽልዋን ዘካፈለት ኮይና፡ ኣብቲ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝጽሕፉን መደባቶም ዝሰርሑን ጋዜጠኛታትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተረኸብሉ ኣጋጣሚ፡ ብዛዕባ መሪር ማእሰርቲ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ኩነታት ሓሳብካ ምግላጽ ኣብ ኤርትራን ስምዒት ብዝፈጠረ ግንዛቤ ከም ዝሓድር ምግባራ ውን’ዩ ሓበሬታ ፐን ኤርትራ ዝጠቅስ።
ኣባል ፐን ኤርትራ ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርግኣለም ፍስሃ፡ ካብ ሃገራ ድሕሪ ምውጽኣ ድምጺ ንምዃን ዝገበረቶ ቃልሲ ከተዘንቱ እንከላ፡ ብመንገዲ ማሕበራት ፐን (PEN)፡ ፐን ኢንተርናሽናል (PEN International)፡ ፐን ኤርትራ ኣብ ስደት (PEN Eritrea in Exile)፡ ከምኡ’ውን ፐን ጀርመን (PEN Germany) ኣብ ዘዳለዎ ‘ደረስቲ ኣብ ስደት’ ዝብል መደብ ክትሳተፍ ዕድል ረኺባ፡ ናብ ጀርመን ከም ዝተጓዕዘት ብምሕባር፡ ብዛዕባ እቶም ድምጺ ዘይብሎም ተጨውዮም ዝተሰወሩ ጋዜጠኛታት ምዝራብ ከም እትቕጽል ምርግጋጻ ውን’ዩ እቲ ሓበሬታ ዝጠቅስ።
ኣባል ፐን ኤርትራ ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርግኣለም ፍስሃ፡ ድሕሪ መደረኣ’ውን ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ሓያሎ ሕቶታት መሊሳን ተመያዪጣን ዝበለ ሓበሬታ ፐን ኤርትራ፡
ኣብቲ መድረኽ፡ እቶም ብሞያዊ ሓላፍነቶም መሰሎም ተጋሂሱ ንጭውያ ዝተፈርዱ ጋዜጠኛታት፡ ኣብተን ጋዜጣታት ዘስፈርዎም ጽሑፋት ካብ ዝተፈላለየ ሃገር ብዝተረኽቡ ጋዜጠኛታት ኣብቲ መድረኽ ከምዝተነበ ውን’ዩ ዝገልጽ።
መድሃኔ ሃይለ ካብ ጋዜጣ ‘ቀስተ ደመና’ ብዓሰርተ ሓምለ 2001 ኣብ ዘስፈሮ ርእሰ-ዓንቀጽ፡ “እቲ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰሉ ብናጽነት ፕረስ ዝተሓለወ ህዝቢ፡ ርእይቶኡ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ኣለዎ። መንግስቲ ድማ ንህዝባዊ ነቐፌታ ምላሽ ናይ ምሃብን ናይ ምሕታትን ሓላፍነት ኣለዎ፡” ክብል ዘቐመጦ ሪኢቶ ኣብቲ መድረኽ ዝተነበ ኮይኑ፡
ኣባል ጋዜጣ ‘መቓልሕ’ ዳዊት ሃብተሚካኤል ውን፡ “ኣብ ልዕሊ ናጻ ፕረስ ዝተወሃሃደ ወፈራ ዝካየድ ዘሎ ይመስል። መንግስቲ ንርእይቶ ህዝቢ ይኹን ብሕታዊ ፕረስ. . . ክጻወሮ ዘይክእል ዘሎ እዩ ዝመስል፡” ክብል ኣቐዲሙ ዘቐመጦ መጠንቀቕታ፡ ማቴዎስ ሃብተኣብ ብተወሳኺ ፡ “ዓፈና ኣብ መወዳእታ ንድሌት ህዝቢ ስቕ ከብሎ ኣይክእልን እዩ፡” ክብሉ ዘቐመጥዎም ጽሑፋት ንምስክር ቀሪቡ።
ጋዜጠኛ ፍስሃየ ዮሃንስ (ጆሽዋ) ብ17 ሓምለ 2001 ኣብ ጋዜጣ ‘ሰቲት’ ኣብ ዝጸሓፎ፡ “ኩነታት መወከሲ ሆስፒታል ሓሊበት ንምምርማር ምስ ሓተትኩ፡ ሓደ ምኩር ሰራሕተኛ፡ ‘ዝዀነ ነቐፌታ እንተ ቀሪቡ፡ ንኣሽቱ ምምሕያሻት ክግበር ይከኣል ይኸውን፡ መሰረታዊ ምምሕያሻት ምግባር ግና ዳርጋ ዘይከኣል እዩ’ ኢሉኒ፡” ክብል ነቲ ዝነበረ ትካላዊ ብልሽውና ኣቃሊዑ።
ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ‘ጽጌናይ’ ዩሱፍ መሓመድ ዓሊ ብ24 ግንቦት 2001፡ “ኣካል ናይዚ ኣውራ ልእኽቶና፡ ንብልሽውናን ንኡስ-ሃገራዊ ስምዒታትን ንምቅላስ እናሰርሐት፡ ግሉጽነት፡ ናይ ሓሳብካ ምግላጽ መሰልን ናጻ ዝውውር ሓበሬታን ኣብ ኩሉ መዳያት ንምድንፋዕ ምጽዓር እዩ፡” ብምባል ዕላማ ናጻ ፕረስ ኣስፊሩ።
ጋዜጠኛ ስዩም ጸሃየ ብ21 ነሓሰ 2001 ኣብ ጋዜጣ ‘ሰቲት’ ብዛዕባ ዋጋ ናጽነት ክገልጽ እንከሎ፡ “እዚ መስዋእቲ እዚ፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝመጽእ ወለዶ ብፍረ ናጽነት ንኽሕጐስን ብመስዋእቲ ናይቲ ዝሓለፈ ወለዶ ንኽጥቀምን ተባሂሉ ዝተኸፍለ እዩ። እቲ ዝሓለፈ ወለዶ ንምውጋዱ ክንድዚ ዝተቓለሰሉ ግፍዒ፡ ሎሚ እዚ ሓድሽ ወለዶ መሊሱ ክሳቐየሉ ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ፡” ዝብል ንዝጸሓፎ’ውን ተነቢቡ።
ኣማኑኤል ኣስራት፡ ኣብ ጋዜጣ ‘ዘመን’፡ “ኤርትራ ኣብ ቀራና መንገዲ ትርከብ። ኩሉ ዝሳተፎ ዘተ ብትእዛዛትን መምርሒታትን ተተኪኡ እዩ፡” ብምባል ዘጠንቀቐሉ ጽሑፍ ክዝከር እንከሎ፡ ጸገዘኣብ ‘ወዲ ኢታይ’ ከኣ ካብ ቅዋማዊ ተመኩሮ ኣመሪካ ብምብጋስ፡ “ካብ ውልቃዊ መንነት ንላዕሊ፡ ነባሪ ምርግጋእ ዝህብን መዋእል ዝሳገርን ልዕልና ሕጊ እዩ፡” ክብል ንልዕልና ሕጊ ዝጠልብ ንዝጸሓፎ ተነቢቡ።
እዚ ጽሑፋት እዚ፡ እቶም ጸሓፍቲ ተጣበቕቲ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ንመጻኢ ሃገሮም ውን ክሳብ ክንደይ ኣርሒቖም ዝጥምቱ ሞያውያን ምንባሮም ዘመስክር ምንባሩ ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ ዋና ፈጻሚት ስራሕ CPJ ጆዲ ጊንስበርግ፡ እቲ ሽልማት ንትብዓቶም ዘኽብር እኳ እንተዀነ፡ ንሓቂ ናጽነት ወይ ፍትሒ ግና ክትክእ ኣይክእልን ድሕሪ ምባላ፡ ጉዳዮም ንዓለም መጠንቀቕታ ምዃኑን ፡ ጋዜጠኛታት ብዘይ ተሓታትነት ስቕ ዝበሃሉ እንተ ደኣ ኰይኖም፡ ናጽነት ፕረስ ኣብ ኩሉ ቦታ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ምዃኑ’ያ ተጠንቅቕ ።
ኣባል ፐን ኤርትራ ይርግኣለም ፍስሃ’ውን ብወገና፡ ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ፡ ጸሓፍትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ድምጾምን ሞያዊ መድረኻቶምን ብምጥቃም ናይዞም ጋዜጠኛታት መርትዖ ህይወት ክቐርብን ብህጹጽ ክፍትሑን ጻውዒት ንኽገብሩ ዝጸውዐት ኮይና፡ “ከም ዘይተረስዑ ከነረጋግጽ ኣለና” ብምባል ሓደራኣ ብምቕራብ መደረኣ ዛዚማ።