ካብ ኲናትን ወረ ኲናትን ወጻኢ ክነብር ዘይክእል ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ ውን ብስም ጽምዶ ንኽልል ትግራይ መቀጸልታ ናይ ጥፋኣት ኣጀንዱኡ ንምግባራ ይጓየ ምህላዉ ተገሊጹ።
ኣብ 2018 ብስም ሰላም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልፍንቲ ፈጢሩ ናብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዛኣተወ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ዝተመነይዎ ሰላምን ርጋኣትን ናብ ደማዊ ኲናት ንምቅያሩ ብመሪሕነት ተዋሲኡ፡ ብስም ተደምረናል ኣሽሓት መንእሰያት ከምዘጠፈአን ዝጠቀሱ ደለይቲ ፍትሒ ተቃለስቲ፡ እዚ ሕጂ ብስም ጽምዶ ምስ ትግራይ ዝሕሰብ ዘሎ ናይ ሽርሒ ዝምድና ውን፡ ልክዕ ከምቲ ዝሓለፈ ከቢድ ኲናት ዝወልድ ምኳኑ ስለዘይተርፎ፡ ዜጋታት ብጥንቃቐ ክዕዘብዎ ከምዝግባእ”ዮም ዝመኽሩ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ 2018፡ ምስቲ ንመንግስቲ ኢሂወደግ ናይ ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ሕዋሓት ዝነበሮ ሽግራት ብብረት ክፈትሖ ብምውሳን፡ክንዲ ሰለማዊ ምርጫ ንመንግስቲ ብልጽግና ብናይ ሽርሒ ፖለቲካ ጠቢሩ ፈጢሩ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪካ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ኲናት ብምውላዕ፡ መንእሰያት ኤርትራ ኣደዳ ሞትን ስደትን ክኾኑ ከምዝፈረዶም ዝጠቀሱ እቶም ተቓለስቲ፡ ሕጂ ውን ካብቲ ናይ ቅድሚ ዝተወሰነ ዓመታት ተመክሮ ብዘይፍለ፡ እዚ ምስ ትግራይ ክግበር ተደልዩ ዘሎ ናይ ጽምዶ ፖለቲካ፡ ኪንዮ ምእዋጅ ድማዊ ኲናት ዝሓልፍ ጥሙሕ ከምዘይህልዎ”ዮም ዝገልጹ።
ምስ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ናይ ኲናት ሃዋሁ ተጸሚዱ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነታ ኣብ ውሽጢ ሉኡላዊ ግዛኣት ኢትዮጵያ እትምእከል ክልል ትግራይ፡ ብናይ ጽምዶ ፖለቲካ ኣመኻንዩ፡ ብዘይፍቓድን ድላይን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶባት ከፊቱ ከአንግዳ ድሉው ምህላዉ ምግላጹ ጥራሕ፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሩኡይ ኢድ ኣታውነት ይፍጽም ምህላዉ ዝጠቀሱ እቶም ተቃለስቲ፡ ህግደፍ ነቲ ምስ መንግስቲ ፈደራል ዝሓስቦ ዘሎ ናይ ጥፋኣት ኲናት ንምክንዋን ትግራይ ከም ዓውደ ግንባር ንምግባራ ዝዓለሞ ናይ ጥፋኣት ውዲት ምኳኑ”ዮም ዝገልጹ።
ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ እምበር ኣብ ኤርትራ ዝፍታሕ ሽግራት ከምዘይብላ ዝገለጹ እቶም ተቃለስቲ፡ ህዝቢ ትግራይ ይኹን መሪሕነቱ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝደልዮ ዘሎ ናይ ሽርሒ ፖለቲካ ብጥንቃቐ ክዕዘብዎ ከምዝግባእ”ዮም ዘተሓሳስቡ።