
ጉጅለ ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ግዙፍ ወተሃደራዊ ስልጠና፡ ምህናጽ ሰራዊትን ስክፍታ ዝፈጥር ምንቅስቃሳትን፡ ጎረባብቲ ኤርትራ ንዝኮና ሃገራት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ንኢትዮጵያ ከይትረጋጋእ ጌርዎ ምህላዉ፡ ዘ ሴንትሪ ዝተሰምየ ዘይመንግስታዊ ትካል ኣመሪካ ገሊጹ።
ምስ ምእዋጅ ሰላም ኣብይን ኢሳያስን፡ ኣብ ዓመተ 2018 እገዳ ኣጽዋር ዝተላዕለሉ ጉጅለ ህግደፍ፡ ወዲቑ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ዓቅምታቱ ዳግማይ ይሃንጽ ምህላዉን፡ ሓይሊ ምክልካል ኣብ ምሕያል ኣተኲሩ ይሰርሕ ምህላዉን ዝጠቀሰ እቲ ትካል፡ ጉጅለ ህግደፍ ዝእዝዞ ምንቅስቃሳት ሰራዊትን፡ ዘካይዶ ዘሎ ዘየዕርፍ ወተሃደራዊ ስልጠናን፡ ብፍላይ ንጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ከይትረጋጋእን፡ ብትኩረት ክትዕዘቦን ይገብራ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብ 2018 ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ስልታዊ ዝምድና ድሕሪ ምክያዱ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብስም ሰላም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸኒዑ ዝነበረ እገዳ ኣጽዋር ምሉእ ብምሉእ ከምዘልዓሎ ዝጠቀሰ እቲ ትካል፡ ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ዕድል ተጠቂሙ ንዝማህመነ ወተሃደራዊ ቁመኑኡ ዳግመ ክሃንጽ ኣብ ዘየዕርፍ ወተሃደራዊ ምንቅስቃሳት ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ተጠንቀቅ ክትቀውም ገዲድዋ ምህላዉ”ዩ ዝጠቅስ።
ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን፡ ፋይናንሳዊ ደገፋት ኲናትን ዝከታተል ማእከል መጽናዕቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ዘ ሴንተሪ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንሶማላውያን ጅሃዳውያን ጉጅለታት ይድግፍ”ዩ ብዝብል ክሲ ኣብ 2009 እገዳ ከምዝተገብረሉ ኣብ መግለጺኡ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ህግደፍ ነቲ ኣብ 2018 ዝተላዕለሉ እገዳ ኣጽዋር ከም ዕድል ተጠቂሙ ሂወት ኣስታት 600 ሽሕ ዜጋታት ኣብ ዝበልዐ ኲናት ትግራይ ዓቢ ኢድ ሓዊሱ ከይኣክል፡ ሕጂ ውን ን ኢትዮጵያ ኣብ ስጋኣት ክትህሉ ጌርዋ ምህላዉ”ዩ ዝኸስስ ።