
ጉጅለ ህግደፍ ነቶም ንረጋጺ ምሕደሩኡ ተሳጊሮም ኣብ ስደት ዝሰፈሩ ዜጋታት ኤርትራ፡ እግሪ እግሮም እንዳሰዓበ ኣብ መዓልታዊ ሂወቶም ስጋኣት ሽበራን ስግረዶባዊ ጭቆናን ኣብ ምፍጻም ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ተቓለስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ከካይድዎ ድሕሪ ዝጸንሑ ሓያል ጻዕሪ፡ ንረጋጽን ዓማጽን ተግባራት እቲ ጉጅለ ዘቃልዕ መጺሄት ከምዘሕተሙ ገሊጾም።
እቲ ብምትሕብባር ተቓለስቲ ብርጌድ ንሓመዱን ባይቶ ዓባይ-ብሪጣንያን፡ ፕላን A ዓባይ-ብሪጣንያን ተማእኪሉ፡ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክስራሓሉ ዝጸንሐ ናይ ቃልሲ ዕማም፡ ካብ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍልጦ ረኺቡ ንናይ ሽፍትነት ምስሊ ጉጅለ ህግደፍን፡ ሳዕቤናት ስግረዶባዊ ጭኮናን ኣመልኪቶም መጽናዕቲ ኣብ ምክያድን ዳታ ኣብ ምእካብን ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት እኹል መርትዖታት ዝሓዘን ንምስሊ እቲ ጸረ ሰላም ዜጋታት ዝኮነ ጉጅለ ብልክዕ ዝገልጽን መጺሄት ናብ ሕትመት ከምዘቅረበን፡ እቲ መጺሄት ዝቕጽል መስርሓት ተኸቲሉ ናብ ፓርላማ ወሪዱ ሕጊ ኮይኑ ክጸድቕ ከምዝኮነን”ዮም ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ዓባይ ብሪጣንያ ዝሕብሩ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ሰፊሕ ናይ ገበን መሓውራት ዘርጊሑ፡ ነቲ ካብ ሰባኣዊ ግህሰት ጭኮናን ዓመጽን ንምህዳም ኣብ ስደት ዝነብር ዘሎ ህዝብና፡ ንብርክት ዝበለ ዓመታት ኣብ መዓልታዊ ሂወቱ ክጻቦኦ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ተቃለስቲ ዓባይ ብሪጣንያን ሽበራዊ መርበባት ገበን ጉጅለ ህግደፍ ንምጽራይ ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሎም ክኸድዎ ዝጸንሑ ጉዕዞ ሎሚ ኣብ ጫፍ ዓወት ምብጽሑን፡ መርበብ ገበናት ጉጅለ ህግደፍ ካብ ስሩ ንምምሓው ገና ክቃለሱ ምኳኖምን”ዩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘረድእ።