
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ኣማሲዩኡ ናብ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ደብዳበ ከምዝሰደደ ኣብ ሰዓቱ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ መሓውራት ፕሮፖጋንዳ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዕድመ ስልጣኖም ዘዘውትርዎ ልሙድ ናይ ዲፕሎማሲ መልእኽቲ፡ ከም ሓደ ገዚፍ ዓወትን ኣመሪካ ኣብ መትከላት ጉጅለ ህግደፍ ከም ዝረዓመትን ኣምሲሎም ክሰርሕዎን ከጋውሕዎን ይፍትኑ ምህላዎም ኣብ ብዙሓት ኣግራሞት ምፍጣሩ ተገሊጹ።
እቲ ብ30 ሓምለ 2025 ዝተላእኸ መልእኽቲ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ምስ ኤርትራ “ምክብባር ዘለዎ ሃናጺ ዝምድና ዳግማይ ክምስርታ ምምሕዳሩ ቅሩብ ምህላዉ” ገሊጹ ዝብል ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ቅንዕናን ምክብባርን ዝተመስረተ ዝምድና፡ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ንዘሎ ናይ ሰላምን ብልጽግናን ዕድላት ዘመሓይሽ’ዩ ምኳኑ”ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ናይ ጸበባ ህሞት ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ ግን፡ ነቲ ንቡር ናይ መራሕቲ ሃገራት ደብዳበ፡ ከም ሓደ ዓብን ተኣምራታውን ዓወት ኮይኑ ክዝንቶ፡ ንናይ ሚዲያ መሓውራቱ ትእዛዝ ምሃቡ ከምዘዋፈሮም”ዩ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ዘሎ ጽሑፋት ዘረጋግጽ።
እቲ ብመንገዲ ናይ ፕሮፖጋንዳ መሓውራት ጉጅለ ህግደፍ ዝወጽእ ዘሎ መግለጺታት፡ ትራምፕ ብምምሕዳር ባይደን ኣብ መላእ ዓለም ዝተፈጸመ ኣሉታዊን ሃሳዪን ዕንወት ክእርሞ ምውሳኑ፡ ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ጽምዶ ከተካይድ ወሲና፡ ኢሰያስ ስዒሩ ወጽዩ፡ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ፖሊሲ ቀይራ፡ ተጻቦኦታት ተሳዒሩ፡ ህግደፍ ሓይሉ ወጽዩን ካልእን ብዝብሉ ቃላት ተሸፊኑ ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ ብዝብል ዕላማ ኣብ ማኣህበራዊ መራኸቢታት ዝጋዋሕ ዘሎ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር ብወገን ዋይት ሃውስ ግን ብዛዕባ መልእኽቲ ትራምፕ ብወግዒ ዝተገልጸ ወልሓደ ነገር የለን።
ቅድሚ ካልኣይ እብረ ስልጣን ትራምፕ ንዋይት ሃውስ ተቖጻጺሩ ዝነበረ ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍን ንሱ ዝውንነን ኩባንያታት ንግድን እገዳታት ምቅማጡን፡ ኣብ ልዕሊ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልድዮሃንስ ዝርከብዎም ሰብመዚ እቲ ጉጅለ ውን ናይ ምንቅስቃስ እገዳን ሕሳባት ናይ ምድስካል መስርሓትን ምፍጻሙ ዝዝከር ኮይኑ፡ ጽምዶ ተቐቢሉ ዝበሃለሉ ዘሎ ትራምፕ ውን ብወገኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግብራዊ ዝዀነ፡ “ምስ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ” ብዝተኣሳሰር ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ምሉእ እገዳ ቪዛ ወሲኑ ምህላዉ ይፍለጥ”ዩ።
እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሰነ ዝተኣወጀ መምርሒ ትራምፕ፡ ንብቕዓት ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ከምዘእትዎ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኤርትራ እትጥቀመሉ ፓስፖርት ሕጋዊ ተኣማንነቱ ከምዘይብሉን፡ ብዘይካ’ዚ ውን ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ካብ ኣመሪካ ንዝተሰጉ ዜጋታታ ምቕባል ኣብያን ዝብል ክስታት ብምቅራብ ኣብቲ መዝገብ እገዳ መገሻታት ከምዘስፈራ ኣይርሳዕን።
ብዋሽንግተን ንዝቐርብ ዝነበር ክስታት ብምንጻግ፡ ንኹሉ ጸቕጥታትን እገዳታትን ብምቅዋም ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ተሪር ዘለፋ ከውርድ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ርሑቅ ከይከድና ኳ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሳምንታት ቃለመሕተት ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣመሪካ ከም ውድቅቲ ሃገር ተገሊጻ ክንሳ፡ ትራምፕ ዝለካኦ ደብዳበ ከም ዓቢ ዓወትን ተኣምራታዊ ፍጻመን ክረአ ምድላዩ፡ እቲ ጉጅለ ገጢምዎ ንዘሎ ጸቅጢ ብንጹር ዘሪኢ”ዩ።