
ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ሰልፊ ስደተኛታት ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ኣብ መዓስከር ኣይሳይታ፡ ትማሊ ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ኣፍሊጡ።
ኣብ’ቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ዝተረኽብሉ ሰልፊ፡ መራሕቲ ቀቢላታትን ሃይማኖታትን፡ ወከልቲ ማሕበረሰብ፡ መንእሰያት፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ናይ ዓይኒ ምስክርን ካብ ሞት ዝደሓኑ ግዳያትን ከምዝተረኽቡ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ዕላማ ናይቲ ሰልፊ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ናብ ኮሚሽን ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ንዘቕረቦ ጥርዓናት ንምድጋፍ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ኤርትራ ብዝዓስከረ ውልቀመላኺ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዝተፈጸመ ከበድቲ ገበናትን፡ ስርዓታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝሰነደ ጥርዓን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣቕሪቡ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ዝቐረበ ሰነድ ንምድጋፍን ህጹጽ ፍታሕ ንምሕታትን ዝተካየደ ሰልፊ ምኳኑ”ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።
ብዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዝቐረቡ ጥርዓናት፡ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ኤርትራ ብጉጅለ ህግደፍ ንዘጋጠሞ ዘሎ ዘሕዝን ክውንነት ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ በቲ መንግስቲ የ ዝብል ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር እዉጅ ምጽናት ዓሌት፡ ኢደወነናዊ ማእሰርቲ፡ ኣረሜናዊ ከበባ፡ ኮነ ተባሂሉ ዝተገብረ ጥሜት፡ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና፡ ከምኡ’ውን ጃምላዊ ምምዝባል ማሕበረሰባት ዓፋር ካብ ቤትንብረቶም ገማግም ባሕርን ይካየድ ምህላዉ ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ኣካል ናይቲ ንዲሞግራፊካዊ ኣቓውማ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ንምቕያር ዝዓለመን፡ ብሄረ ዓፋር ብምድኻም ንካብ ካልኦት ብሄራትን ባህልታትን ዝመጹ ሰባት ንምስፍሕፋሕ ዝተሓርየን ፖሊሲ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ፡ ብመሰረት ቻርተር ሰብኣዊ መሰል ህዝብታት ኣፍሪቃ ንዝተረጋገጸ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ናጽነታትን ብግልጺ ዝግህስ ምኳኑ ዝገለጸ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡
• ዓንቀጽ 4፡ መሰል ህይወት
• ዓንቀጽ 5፡ መሰል ሰብኣዊ ክብሪ
• ዓንቀጽ 6፡ መሰል ሓርነትን ውሕስነትን ሰብን
• ዓንቀጻት 8ን 9ን፡ መሰል እምነት፡ ርእይቶን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን
• ዓንቀጽ 15ን 17ን፡ መሰል ስራሕን ትምህርትን ካልእን ብግልጺ ዝግህስ ምኳኑ”ዩ ኣብ ጸብጻቡ ዝገልጽ።
ውልቀመላኺ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ 1948 ንዝተበጽሐ ውዕል ምክልኻል መቕጻዕትን፡ ገበን ምጽናት ዓሌትን ብግልጺ ከምዝጥሕስ ዝሰማምዑ ሰልፈኛታት፡ ንብሄራዊ ምግላል፡ ፖለቲካዊ ዓፈና፡ ስርዓታዊ ምግላልን፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝኹንኑ ባነራት ተሰኪሞም ድምጾም ከምዘስምዑ”ዩ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ዝገልጽ።
ቀንዲ ጠለባት ሰልፈኛታት፡
• ኸቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ገበናትን ብቕልጡፍ ምቁራጽ
• ምልዓል ህዝባዊ እገዳ
• ንዝተጸገሙ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ምሃብ
• ናይ ፖለቲካ እሱራት ምፍታሕ
• ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ምቁራጽ
• ተመዛበልቲ ናብ ገዝኦም ብሰላም ክምለሱ ምግባርን፡ ምምላእ መሰረታዊ ጠለባት ሂወትን ምንባሮም ዝጠቀሰ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ኢጋድ፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ኣካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ ብፍላይ ከኣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ህዝብታት ኣፍሪቃ፡ ነጻን ኩለመዳያውን ምርመራን ከካይድ”ዩ ጻውዒቱ ኣቅሪቡ ዝርከብ።
ገበነኛታት ኣብ ቅድሚ ኣህጉራዊ ሕጊ ተሓተትቲ ምግባር፡ ስደተኛታት ዓፋር ካብ ምፍርራሕ፡ ምግዳድ፡ ወይ ውን ጉድኣት ንምክልኻል ህጹጽ ናይ ምክልኻል ኣገባብ ክትግበር ዝሓተተ ኣወሃሃዲ ሽማግለ፡
ትማሊ ዝተካየደ ህዝባዊ ሰልፊ፡ ድምጺ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ንኽስማዕ፡ ደረጃ ዝወርዶ ዘሎ ስቓይ ንኽቃላዕ፡ ከምኡ’ውን ዞባውን ዓለምለኻውን ኣፍልጦ ንዝረኸበ መሰላቱ ብተግባር ንምድጋፍ ዝዓለመ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ቀጻሊ ናይ ዝካየድ ተኸታታሊ ሰላማዊ ሰልፊ ቀዳማይ ስጉምቲ ምዃኑ”ዩ ኣስሚርሉ ዝርከብ።