
ንውልቀመላኪ ኢሰያስን፡ ጉጅሉኡ ስርዓት ህግድርፍን ብዕጥቃዊ መዳይ ንምእላይ ኣብ ስራሕ ዝርከብ ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ፡ ኣብ ኦክላንድ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ህዝባዊ ሰሚናር ከምዘካየደ ካብቲ ቦታ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ፡ ካብ ዝሓለፈ 8 ነሓሰ 2025 ጀሚሩ፡ ምስ ተቓለስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፊት ንፊት ዘራኽብ መደባት ሰሪዑ፡ መጻኢ ኣንፈት ቃልሲ ከብርህን፡ ሕቶ ተቓለስትን ክምልስ ምጽንሑን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ግዝኣታት ሰንሲናቲ ኦሃዮ፡ ዳላስ ቴክሳስ፡ በይ”ኤርያ ካሊፎርንያ፡ ከሙኡ ውን ስያትል ዋሽንግቶን፡ ሰሚናራት ከካይድ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ብቀዳም 30 ነሓሰ 2025 ብተመሳሳሊ ኣብ ግዛኣት ኦክላንድ ንብርክት ዝበለ ሕቶታት ተቃለስቲ መሊሱ ዝተዛዘመ ህዝባዊ ሰሚናር ከምዘካየደ”ዩ፡ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘረድእ።
እቲ ትማሊ ቀዳም 30 ነሓሰ 2025 ዝተካየደ ህዝባዊ ሰሚናር ኦክላንድ፡ ንኣስታት ሽዱሽተ ስዓት ብመንገዲ ማዕከን ሓበሬታ ኤሪፒኤምን ካሎኦት ሚዲያታት ደለይቲ ፍትሕን ብቀጥታ ዝተመሓላለፈ ኮይኑ፡ ንዝቀረበ ብርክት ዝበለ ሕቶታት ተቃለስቲ ብምምላስ፡ ከምዝተዛዘመዩ ሓበሬታና ወሲኹ ዘረድእ።
ብውልቀመላኺ ኢሰያስ ዝምራሕ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፉ 34 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ከውርዶ ንዝጸንሐን ገና ውን ንዘውርዶ ዘሎ ዕንወትን ፊት ንፊት ንምግጣሙ ነቂሉ ዝርከብ ግምባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ፡ ንዘይነጸረን ዘይተመለሰን ሕቶታት ንምብራህ፡ ምስ ተቃለስቲ ፊት ንፊት ዘራኽብ መደባት ሰሪዑ ቃልሲ ንምዕባይን ናይ ምልኪ ግዜ ንምሕጻርን ዝተወጠነ መደባት ይሰላሰል ምህላዉ ዝፍለጥ”ዩ።