
ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ኣብዚ ሰሙን ካብ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝወጽአ ናጽነት ኤርትራን ተበጻሕነት ቀይሕባሕሪን፡ “ዳግማይ ክሕሰበሉ ኣለዎ” ዝብል ሓሳብ ዝሓዘ መግለጺታት፡ ዝደጋገም ኣሰካልዪ ፖለቲካዊ ዕሽነት ብምባል ግብረመልሲ ሂብሉ።
ሚኒስተር ዜና ጉጅለ ህግደፍ የማነ ገብረመስቀል ቻርሊ ብመንገዲ ውልቃዊ ናይ ትዊተር ሕሳቡ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ሰበስልጣን ሰልፊ ብልጽግናን ደገፍቶምን፡ ብዓውታን ብዘይሓላፍነታዊ መንገድን፡ ንጥንታዊ ታሪኽ ኤርትራ ክጥምዝዝዎ ይስምዑ ኣለዉ ዝበለ ኮይኑ፡ እቲ ብተደጋጋሚ ግዜ ዝስማዕ ዘሎ መግለጺታት መደናገርን መሰረት ዘይብሉን ንምጕት ዘይበቅዕን ምዃኑ ብምግላጽ”ዩ ኩነኑኡ ኣቕሪቡ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ መዓልታት ንጉዳይ ኣብ ኣጋ መመረቕታኡ ከም ዝበጽሐ ዝንገረሉ ዘሎ ዓቢይ ግድብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ናይ ሽሕ ዓመት ጉዳይ ኣባይ ፈቲሕናዮ ኣለና፡ ትማሊ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተፈጠረ ጌጋ ውን፡ ጽባሕ ክንእርሞ ኢና ምባሉ ዝዝከር ኮይኑ፡ ዳይረክተር ዝምድናታት ወጻኢን ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ሰራዊት ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ ብተወሳኺ፡ ኢትዮጵያ ብዘለዋ ጅኦግራፍያዊ ቅርበት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን ዘኽእላ መሰል ከምዘለዋን፡ “ርእሰ ገዝኣት እያ ነይራ” ዝበላ ዓሰብ ውን ኣብ መጀመርታ 1990ታት ብመሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣካል ኤርትራ ክትኸውን ከምዝተፈርደትን ድሕሪ ምጥቃሱ፡ እቲ ውሳነ ናይ ምውሳን ስልጣን ዘይብሉ ብህዝቢ ዘይተመርጸ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝፈጸሞ ምኳኑ ተቀባልነት የብሉን ክብል ምግላጹ ኣዛራቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ምቅናዩ ኣይርሳዕን።
ኣብ መግለጺኡ ብሰበስልጣናት ኢትዮጵያ ንዝቀረበ ምጉት ዝነጸገ ጉጅለ ህግደፍ፡ መሰል ናጽነት ኤርትራን ቀይሕ ባሕርን ብፍታው ካልእ ወገን ዝተረጋገጸ ከምዘይኮነ”ዩ ኣብ መግለጺኡ ዘነጽር።
ልኡላውነት ኤርትራ ኣህጉራዊ ሕጊ መሰረት ብዝግበረ ናይ 1993 ረፈረንደም ከም ዝተረጋገጸ ዘነጸረ ጉጅለ ህግደፍ፡ ልዕሊ 99% ኤርትራውያን እወ ንናጽነት ዘድመጽሉን፡ ብምክትታል ሕቡራት ሃገራት ዝተገብረን ሕጋዊ ኣፍልጦ ምንባሩ ብምጥቃስ”ዩ፡ ንመግለጺታት ኢትዮጵያ ዝኩንን።
ረፈረንደም ብመሰረቱ በይናዊ ውሳነ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምንባሩን፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ መትከላት ዝተኻየደ ምኳኑን ዝጠቀሰ እቲ መግለጺ፡ ኣብ ምጽዳቁን ሕጋውነት ኣብ ምልባሱን፡ ጐባጢት ሓይሊ ንዝነበረት ኢትዮጵያ ዝምልከት ከምዘይነበረን፡ ፈጺሙ ክኸውን’ውን ከምዘይከኣልን”ዩ፡ ወሲኹ ዘረድእ።
ኣብ 1940ታት ክረጋገጽ ዝነበሮ ናጽነት ኤርትራ፡ ካልእ መንግስታዊ ይዅን ኣህጉራዊ ኣካል ፍቃድ ክህቦ ወይ ክዝውሮ ስልጣን ከም ዘይብሉ ዝወሰኸ መግለጺ የማነ ቻርሊ፡ ሕቶ ናጽነት ኤርትራ ብቃልሲ ህዝብታት ዝተረጋገጸን፡ ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዝረከበን ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ኣብ ኣፍሪቃ ከብቅዕ እንከሎ፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝነበራ ሊብያን ሶማልያን ናጽነተን ክእውጃ ኣብ ዝተፈቕደንን እዋን፡ ኤርትራ መሰል ሃገርነት ከም ዝተነፍገት ዝፍለጥ እዩ።