
ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ ቅነ ብመንገዲ ክፍለ ሰራዊት 11 ኣቢሉ ኣብ ከባቢታት መረታ ሰበነ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣነዋሪ ተግባር፡ ንጭካነ እቲ ጉጅለን ሰይጣናዊ ባህሪያቱን ዝያዳ ዘረጋግጽ ምኳኑ ነበርቲ እቲ ከተማ ዝኮኑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።
ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ክፍለ ሰራዊት 11 ኣሎ ዝበሃል ዓቅሚ ሰባ ኣዋፊራ፡ ንበረኻታት መረታ ሰበነ ኣብ ምሕላውን ምጽንጻንን ምህላዋ ዝገልጹ ናይ ዓይኒ ምንጭታት፡ በዓል ቤተን ዘይተረኽበ ሰብ ሓዳር ኣዴታት፡ ወይ ውን በታ ክፍለሰራዊት ናይ ዝህደኑ ዘለዉ መንእሰያት ኣዴታት ዝኾና ወለዲ፡ ኣብ ሓንቲ ገዛ ዳጒኑ ኣብ ልዕሊ ወላዲ ዘይትምነዮ ኣነዋሪ በደላት ይፍጽም ምህላዉን፡ ደቅኽን ኣምጻኣ ብዝብል ምስምስ ብወተሃደራዊ መቅጻዕቲ ወለዲ የሳቒ ምህላዉን”ዮም ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝጠቅሱ።
ኣብ ውሽጢ እዚ ዝሓለፈ ሰሙን ብፍሉይ፡ ኣብ ህዝቢ መረታ ሰበነ ዝግበር ዘሎ ግፍዕን ጨፍጫፍ ስድራቤታትን፡ ካብ ሓደ መንግስቲ”የ ዝብል ኣካል ዘይትጽበዮ ተግባር ምኳኑ ዝጠቅሱ እቶም መሰኻኽር፡ ጉጅለ ህግደፍ ልዕሊ 40 ዝቁጽረን ኣዴታት ቀይዱ፡ ወላ ውን እተን ዝጠቡ ህጻን ዘለወን ኣዴታት፡ ህጻን ከጥብዋ ጥራሕ ምስ ውላደን ከምዝራኸባ ብምግባር ወላ ውን ኣብ ህጻውንቲ መቅጻዕቲ ከውርድ እንክትሪኦ፡ ኣብ ህጻውንትን ዝወርድ ዘሎ ስንብራትን ኣብ ልዕሊ ወለዲ ዘለዎ ንዕቀትን ብሓቂ ንክትሰምዖ ዘሕዝንን ዘደንጹን ፍጻሜ ምኳኑ”ዮም ዝጠቅሱ።
ክፍለ ሰራዊት 11 ኣብ መረታ ሰበነ ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ ህጻናትን ኣዴታትን፡ኣዝዩ ዘሰክሕን፡ ንሓዋሩ ውን ህዝቢ መረታ ሰበነ ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነት ክፍለ ሰራዊት 11 ንዝኮኑ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ጸሊም ዝርዝር ክምዝግቦምን መዓልቲ ክጽበየሎምን ዝገብሮ ከቢድ ነውሪ ምኳኑ ዝገለጹ እቶም መሰኻኽር፡ ኣብ ሓንቲ ጸባብ ገዛ ዝጠቡ ቆልዓ ዘለወን ልዕሊ 40 ኣዴታት ምእሳርን ምስቃይን ኣብ ትሕቲ ዝኮነ ይኹን ምኽንያት ህዝቢ ምኽንያታዊ ጌሩ ክርዶኦ ከምዘይከኣለን፡ ኣዝዩ ነዲሩ ምህላዉን”ዮም ዝጠቅሱ።
መረታ ሰበነ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ መናእሰይ ኣለዋ ብዝብል ምኽንያት፡ ቅድሚ ሕጂ ውን እዚ ዘይበሃል ግፍዕን መከራን ከምዝሓለፈትን፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት እቲ ከባቢ ውን ሰባኣዊ ክብርታት ዝገፍፍ በደላት ይፍጸም ምንባሩ ነበርቲ ዝገልጹ ኮይኖም፡ ህግደፍ ብመንገዲ ክፍለሰራዊት 11 ኣቢሉ ኣብ መንእሰያት ዝለመዶ ሰባኣዊ ክብሪ ዜጋታት ዝገፍፍ ጭካኑኡ፡ ኣብ ልዕሊ ዝጠቡ ህጻን ዘለወን ኣዴታት ክፈግሞ ምራኣይ ኣዝዩ ኣቀንዛውን፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ጽልእን ክትርዳእ ከምዝገብር”ዮም ዝገልጹ።
ኣብ ዓዲ ሓዲዳ ጥራሕ ልዕሊ 30 ኣዴታት፡ ብሰንኪ ምጥፋእ ሃለዋት ደቀንን ሰብኡተንን፡ እንዳ ኣቦይ ክፍልዝጊ ኣብ ዝብሃል መጽንሒ ገዛ ተዓጽየን፡ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ጌረን ምህላወን ዝገለጸ ነባሪ እቲ ከባቢ፡ ጡብ ኣደ ዘይገደፉ ህጻውንቲ ደቀን ተሓዲገን፡ ንቤተሰቦም ከም ዝተዋህቡን፡ ንክጠብው ኣብቲ ዝተፈቅደ ሰዓታት ጥራይ ክመጹ ከምዝፍቀዶምን ብምጥቃስ፡ ጭካነ ክፍለሰራዊት 11ን ጉጅለ ህግደፍን፡ ናይ ሽፍታ ተግባራት ክትብሎ ከምዝቀልል”ዩ ዝግለጽ።
ክፍለሰራዊት 11 ነዞም ህጻናት ወላ ምስ ኣዴታቶም እንዶ እሰርዎም ንዝብል ለመናን ምሕጽንታን ዓበይቲ ዓዲ ነጺጉ፡ ህጻናት ምስ ወለዲ ክጸንሑ ይገብር ምህላው ዝገለጸ ተወላዲ ዓዲ ሓዲድ፡ ኣዴታት ደቀን እንተ ረኺበን ሰብኡተን ብዛዕባ ማእሰርተን ኣይግድሶምን እዩ ካብ ዝብል እምነት ከሙኡ ይገብር ምህላዉ ዝያዳ ዘቐንዙ ምኳኑ”ዩ ዝጠቅስ።
እቶም ኮብሊሎም ዘለዉ መንእሰያትን ሰቡኡትን፡ ብደቆም ደንጊጾም እንተ መጹ ክንጽበዮም ኢና ዝብል ናይ ብደዐ መልሲ ካብ ኣዛዚ ክ/ሰ 11 ንዓበይቲ ዓዲ ከምዝተዋህበ ዝገለጸ እቲ ወሃቢ ሓበሬታ፡ ኣብ’ዚ ዝግበር ዘሎ ግፍዒ ብፍሉይ ክሕተቱን፡ ኣካል ናይቲ ግፍዒ ዝኾኑን ደቂ እቲ ከባቢ ተሓባበርቲ ከምዘለዉን”ዩ ዝገልጽ።
በረኻታት መረታ ብሰራዊት ተወሪሩ ኣዴታት መረታ ካብ ደቀን ተፈልየን፡ ኣብ ገዛ ትዓጽየን ይሳቀያን ይነብዓን ምህላወን ዝገለጸ እቲ ምንጪ፡ ብፍላይ ንህጻናት ካብ ኣዴታቶም ፈሊኻ ዝግበር ዘሎ ንሰብኣዊ ግፍዒ፡ ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድ፡ ደቂ መረታ ሰበነ ንታሪኽ ክሕዝውን ክስንድዎን ከምዝግባእ”ዩ ዝምሕጸን።
ንኩሉ ግዜ ኣለዎ እሞ ገፋዒ ኣብ ሰዓቱ ሕሳቡ ክወስድ ሙኳኑ ዘጣራጥር የብሉን ዝበለ ተወላዲ ዓዲ ሓዲድ፡ ኣብዚ ገበን ዝሳተፉ ኣባላት ዘለወን ስድራቤታት፡ እቲ ጉዳይ ምስ ግዜ ደምነት ዘስዕብ ከይከውን ኣባላት ስድራቤታተን ክምዕዳ፡ ሚድያታት ደለይቲ ፍትሒ ከኣ ነቲ ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ መረታ ሰበነ ዝፍጸም ዘሎ ነውሪ ክኹንና ጸዊዑ።