
ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ዝኮነ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዘራእቲ ኣብ ዝጸሃየሉን ምህርቲ ዝኣኽለሉን ወርሓት መስከረምን ጥቅምትን፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ግዜ ኣልማማ ግፋ መንእሰያትን ምክልባት ስድራቤታትን የካይድ ብምህላው፡ ናይ ብርክት ዝበላ ስድራቤታት
እኽሊ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ምህላዉ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ ገሊጾም።
ጉጅለ ህግደፍ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዓዲ ዃላ: እምኒ ሓይሊ: ሰገነይቲ: መረታ ሰበነን ካልኦት ከባቢታትን ዞባ ደቡብን: ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈታት ተዋፎሮም ንዝነበሩ ስድራቤታት ብምክልባትን መደባቶም ብምስንኻልን፡ ዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታትን መዓንጣ ዘይቆጸሩን መንእሰያትን ክሃድን ምቅናዩ ዝሓበሩ ምንጭታትና፡ በዚ ምኽንያት ብርክት ዝበላ ስድራቤታት ኣብ ሓደጋ ወዲቐን ምህላወንን፡ ምህርቲ ውን ዝእክቦ ሲኢኑ ምህላዉን”ዮም ዝገልጹ።
ወርሓተ መስከረምን ጥቅምትን ኣብ ከበሳታት ኤርትራ፡ ዓመት መመላእታ ዝተጻዕረሉ ዘራእቲ ንምህርቲ ዝቀርበሉን፡ ዝያዳ ክንክን ዝሓተሉ ወቕቲ ምኳኑን ዝጠቐሱ ምንጭታትና: ጉጅለ ህግደፍ ዓያዪ ጉልበት ኣብ ዘድልዮ እዋን ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣልማማ ግፋ ተጸሚዱ ምራኣይ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሕሱም መግዛእቲ ምህላዉ ንኽትርዳእ ዝገብር ምኳኑ”ዮም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ዓመት መጸ ኣብ እዋን ማሕረስን ዘራእቲ ዝጥርነፈሉ ወቅትን፡ ኣብ ሃድን ዜጋታት ክዋፈር ዝረአ ጉጅለ ምኳኑ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ እቲ ጉጅለ ህዝብና ክጠሚ: ተመጽዋቲ ክኸውን፡ ክስደድን ቅሳነት ከይረክብን ብመደብ ዝሰርሓሉ ዘሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ ምኳኑ”ዮም ዝገልጹ።
ሎሚ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዓያዪ ጉልበት ስለዝተሰደን፡ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ውትህድርና ስለዝተቆርነን፡ ሕጽረት ጉልበት ሰብ ገኒኑ ስድራቤታት ኣብ ከብዲ ጭንቀት ምህላወን ኣብ ሓበሬቶኦም ዘረጋገጹ ምንጭታትና፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጨካን ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብስእነት፡ ክብሪ መሰረታውያን ሃለኽቲ ኣቁሑ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ካልእን፡ ኣደዳ ውድቀትን ሕሰምን ኮይኑ ምህላዉ ውን”ዮም ዝገልጹ።