ንኡስ ክፍሊ ድፕሎመሲ ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ እስራኤል ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ እታ ሃገር፡ ኣብ ክሰነት ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ከምዘካየደ፡ ክፍሊ ሚዲያ ብርጌድ ንሓመዱ ጨነፈር እስራኤል ገሊጹ።
ህ/ማ/ብ/ንሓመዱ ኤርትራውያን ዞባ እስራኤል፡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዑዉት ድፕሎመሳዊ ከይድታትና እንዳ ኣመዝገበ ክኸይድ ምጽንሑ ዝጠቀሰ ክፍሊ ሚዲያ ብርጌድ ንሓመዱ እስራኤል፡ እዚ ኣብ ክሰነት ዝተካየደ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ውን ብተመሳሳሊ፡ ኣካል ናይቲ ዕዉት ከይዲ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
መሪሕነት መላእ ዞባ እስራኤል ምስ ሓገግቲ ኣካላት ብምኳን፡ ህዝብና ዝያዳ ተረባሒ ናይ’ዚ ድፕሎመሳዊ ከይዲ ንክኸውን፡ ልዑል ድፊኢት ይገብሩ ምህላዎም ወሲኹ ዝገለጸ ክፍሊ ሚዲያ እስራኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ዝተገብረ ርክብ ውን፡ ሓገግቲ ኣካላትን መላእ መርሕነትን ዞባ እስራኤል ብዑምቀት ከምዝዘተይሉ”ዩ ዝገልጽ፡
ትማሊ 21 ጥቅምቲ 2025 ምስ ኣካላት መንግስቲ እስራኤል ዝተካየደ ዕዉት ዲፕሎማሲያዊ ርክባት፡ ኑኡስ ክፍሊ ድፕሎማሲ ዞባ እስራኤል ብዝላዓለ ተስፋን ንክሰርሕ ዓቢ ዓወታት ንከመዝግብን ድፊኢት ከምዝፈጥረሉ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ክፍሊ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ውን ተበጊሱ ዘሎ ጻዕሪ ጻማ ከም ዝህልዎ ምግላጹ”ዩ ወሲኹ ዘረድእ።
ውጹዕ ህዝብና ወሪድዎ ካብ ዘሎ ወጽዓ ንምንጋፍ፡ ገለ ብድፕሎመሲ፡ ገለ ብባጀት፡ ገለ ብሓሳብ፡ ገለና ከኣ ሂወት ብምኽፋል፡ ለይትን ማዓልትን እንዳ ሰራሕና ንርከብ ዝበለ መግለጺ ክፍሊ ሚዲያ ብርጌድ ንሓመዱ ዞባ እስራኤል፡ ኩሉ ተቃላሳይ ካብ ምጥምማትን ጓል መንገዲ ተኣልዩ ቃልስን ንኽዕወት ናይ ዘለዎ ክረባረብ ይግባእ ዝበለ ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ሳዓት እዚ ንቃልሲ ዋጋ ምኽፋል እንበር፡ ናይ ምጽብጻብን፡ ናይ ኣነዶ ንስኻን ግዜን ወቅትን ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፡ ኩሉ ተቃላሳይ ብዘለዎ ዓቅሚ ኣብ ምእላይ ጉጅለ ህግደፍ ክረባረብ ጻውዒት ብምቅራብ መግለጺኡ ዛዚሙ።