ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ 24 ጥቅምቲ 2025፡ኣብ ዞባ ጋሽባርካ መስመር ባረንቱ-ኣንቶረ ብዓርቢ 24 ጥቅምቲ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ፡ 8 ሰባት ከምዝሞቱን 13 ውን ከምዝተጐድኡን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ኣብ ንብረት ውን ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደ ተሓቢሩ።
እታ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ካብ ባረንቱ ተበጊሳ ናብ ኣንቶረ ትጓዓዝ ዝነበረት ዓባይ መኪና፡ ነዊሕ ከይከደት፡ ካብ ባረንቱ ኣስታት 12 ኪሎ-ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ሻካት ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝበጽሓትሉ ሰዓት እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ መራሒ መኪና ብሓደገኛ ኣገባብ ይመርሓ ብምንባሩ ዘጋጠመ ሓደጋ ምኳኑ ውን እዩ፡ ሓላፊ መርመራ ሓደጋ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ኢሳይያስ ብርሃነ ዝገልጽ።
ጠንቂ ሓደጋ እታ ዓባይ መኪናን፡ ኩነታት ተሳፊሮማ ዝነበሩ ግዳያትን ብዝምልከት ዛጊት ዝርዝራዊ መረዳእታ ዘይምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቶም ግዳያት ናይዚ ሓደጋ ዝኮኑ ተጓዓዝቲ ግን፡ ንዓበይቲ መካይን ከም መመላለሲ ኣገልግሎት ዝጥቀም ህዝቢ ክኸውን ከም ዝኽእል”ዩ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘመልክት።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ እዋን ለበዳ ኮረና ቫይረስ ብዘተግበሮ እገዳ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ፡ ንብዙሕ ከባቢታት ዝሽፍና ዝነበራ፡ ህዝባውያን ናይ ግሊ ኣውቶቡሳትን ሚኒባሳትን ደው ክብላ ምእዛዙ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብሰንኪ”ቲ ዝተፈጥረ ጸገማት ሞጎዓዝያ፡ ህዝቢ ፍቓድን ውሕስነትን ዘይብለን ናይ ጽዕነት መካይን፡ ብዘይንቡርን ዘይውሑስን ኣገባብ ከም ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክግልገለለን ምጽንሑ”ዩ ዝንገር።
ብጉጅለ ህግደፍ ካብ ስራሕ ደው ክብሉ ዝተኣዘዙ ወነንቲ ግላውያን ኣውቶቡሳት፡ እቲ ጉጅለ ብዘንብሮ እገዳታት፡ ሕጽረት ነዳድን ሕጽረት ንተቀያሪ ንብረት፡ ኣገልግሎት ክህቡ ኣብ ዘይክእልሉ ድረጃ ምውዳቆም ኣቀዲሞም ንቢቢሲ ምግላጾም ዝዝከር ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ዝውንነን ዘመናውያን ኣውቶቡሳት፡ ዋላ”ኳ ህዝባዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ብቁዓት እንተኮና፡ ሰፊሕ መስመራትን ከባቢታትን ብምሽፋን ንገዚፍ ጠለብ ህዝቢ ከአንግዳ ስለዘይከኣላ ግን፡ ብፍላይ ኣብ ርሑቅ ገጠራት ዝነብር ህዝቢ ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ወዲቁ ብሕጽረት ኣገልግሎት ይሳቀ ምህላዉ ዝፍለጥ”ዩ።