ኣብ ሳተላይት ተሰዊረን ዝጸንሓ 2 ዓበይቲ ናይ ጽዕነት ካርጎ ነፈርቲ፡ ካብ ዝሓለፈ ቀዳም 1 ሕዳር 2025 ጀሚረን ኣብ ከተማ ባጽዕ ናብ ዝርከብ ማዕርፎ ነፈርቲ ተመሊሰን ምህላወን ካብ ሳተላይት ዝተወስደ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ብመሰረት እቲ ካብ ሳተላይት ዝተረከብ ሓበሬታ፡ IL-76TD ዝተሰምየት ዓባይ ናይ ጽዕነት ነፋሪት፡ C-130H ምስ ዝዓይነታ ካልእ ንእስ ዝበለት ነፋሪት ብምኳን፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ባጽዕ ዝርከብ ማዕርፎ ነፈርቲ ምህላወን ዝተረጋገጸ ኮይኑ፡ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ከም ኢራን ሩስያን ዛኣመሰላ ሃገራት፡ ዘመናዊ ኣጽዋር ኣብ ምዕዳግ ምህላዉ ክግለጽ ዝጸንሐ ሓበሬታ፡ ዘራጉድ ትርጉም ከምዘለዎ”ዩ ዝንገር።
እዘን ክልተ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት ነፈርቲ፡ ውልቀመላኪ ኢሰያስ ናብ ግብጺ ካብ ዝገሸሉ ዕለት ኣትሒዘን፡ ካብቲ ደው ኢለናሉ ዝጸንሓ ማዕርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ተሰዊረን ምጽንሐን ዝገልጽ እቲ ሓበሬታ፡ ድሕሪ መገሻ እቲ ውልቀመላኪ ዳግማይ ናብቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ምምላሰን ግን፡ ምናልባት ወተሃደራዊ ኣጽዋር ሒዘን ተመሊሰን ክኾና ከምዝኽእላ”ዩ ዝግመት።
ጉጅለ ህግደፍ ንዕጡቃት ፋኖ ናይ ክልል ኣምሓራን፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ምፍጣጥ ንዝርከብ ውድብ ህወሓት ናይ ትግራይን ተጠቂሙ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኲናት ንምዕዳም ኩሉ ዓይነት ጸቅጥታት ኣብ ምግባር ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዘይካ”ቲ ብስዉር ዝገብሮ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ምድላዋት፡ ስርሓት ኢራን ዝኮነ ዝተራቀቀ ኣጽዋር ኣብ ምዕጣቅ ምህላዉን፡ ንመስመር ወደብ ጅቡቲ ኣዲስ ኣበባ ብምዕጻው ሓጺር ኲናት ንምውላዕን፡ ልዕሊ 10 ዕላማታት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንምህራምን ውጥን ከምዘለዎን ክገልጽ ምጽንሑ ውን ኣይርሳዕን።
ፕረዚደንት ውድብ ስምረት ዝኮነ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ TPF ተባሂሎም ንዝጽውዑ ዕጡቃት ሓራ መሬት ኣመልኪቱ፡ ቅድሚ ዝተወሰነ መዓልታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ TPF ወጽዓ ኣሎ ኢሉ ብምእማን ጸረ ድሕረት ዕጥቃዉ ቃልሲ ዝመረጸ ሓይሊ ዳኣ እምበር፡ ከምቲ መራሕቲ ህወሓት ዝብልዎ፡ ናይ ውድብ ስምረትን ናይ ጌታቸው ረዳን ዕላማታት ዝስከም ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፡ TPF ብስምረት ከምዘይውነን ምግላጹ ዝዝከር”ዩ።