ንዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት፡ ሕሱም ጭቆናን ባርነትን ተጸይኑ፡ ዶብ ጥሒሱ ክሰግር ኣብ ልዕሊ ዝፈተነ መንእሰይ ሃገር ናይ ተመልከተለይ ቅንጸላ ክፍጽም ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ ውን ከም መቀጸልቱኡ፡ ካብ ግፋ፡ ምእስር ስድራቤታትን ምዕሻግ መንበሪ ገዛን ኣምሊጦም፡ ናብ ስደት ከምርሑ ኣብ ልዕሊ ዝፈተኑ መንእሰያትና ናይ ተመልከተይ ቅንጸላ ከምዝፈጸመን፡ 3 መንእሰያት ከምዘውደቀን ምንጭታትና ካብ ዶባት ኤርትራን ትግራይ ኣብ ዝሰደድዎ ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።
እቲ ብዕለት ሓደ ሕዳር 2025 ዝተፈጸመ ኣነዋሪ ተግባር፡ ኣባላት ክፍለሰራዊት 27 ብዝኮኑ ወተሃደራት ዝተፈጸመ ምኳኑ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ብከባቢታት ሰብያ ናብ መሬት ትግራይ ሰጊሮም ካብቲ ጨኳኒ ስርዓት ንምህዳም ኣብ ልዕሊ ዝፈተኑ መንእሰያት ብዝተፈጸመ ኣልማማ መጥቃዕቲ፡ 3 መንእሰያት ግዳይ ኮይኖም ምህላዎም”ዮም ዘረጋግጹ።
እቶም ኣብ ከባቢ ዶባት ንዝረኸብዎ መንእሰይ ተኲሶም ክቀትሉ ዝተኣዘዙ ኣባላት 27 ክፍለሰራዊት፡ ነቶም ካብ ገዛእ ሃገሮም ዝሃድሙ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት፡ ማይ ጨው ተባሂሉ ክሳብ ዝፍለጥ ከባቢታት ትግራይ እንዳተኮሱ ከምዝሰዓብዎም ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ከባቢ 17 ዝቁጽሮም መንእሰያት ሃዲሞም ናብ ትግራይ እኳ እንተኣተዉ፡ 3 ግን ብዝተተኮሰ ጠያይት ተሃሪሞም፡ በቶም ዕጡቃት ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዝተመልሱ”ዮም ዘረጋግጹ።
ኣባላት ክፍለ ሰራዊት 27 ዝኮኑ ዕጡቃት ብትእዛዝ እቲ ጉጅለ ናብ ውሽጢ መሬት ትግራይ ኣትዮም ኣልማማ ናይ ቅንጸላ ስርሒት እንዳፈጸሙ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ዕጡቅ ሓይሊ ሰራዊት ትግራይ ብስቅታ ክዕዘቦም ምምራጹ ካልእ ኣገራሚ ክስተት ምንባሩ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ካብቲ ናይ ቅንጸላ ተግባራት ዘምለጡ 17 መንእሰያት ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ትግራይ ተሓቢኦም ምህላዎም ብምጥቃስ፡ ሃልዋት እቶም ተሃሪሞም ዝወደቁ ግን ገና ንጹር ዘይምኳኑ”ዮም ዝጠቅሱ።
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክቱር ንዕቀትን ጽልእን ዘለዎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ናብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝሰግሩ መንእሰያት ኤርትራ፡ ግሉጽ ናይ ቅንጸላ ተግባራት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ድሮ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣሕሊፉ ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ወላ ውን እቲ ንወጽዓ መንእሰያትና ተረዲኡ ጽላል ዝኸውን ዝነበረ ናይ ትግራይ ሓይሊ፡ ፖከቲካዊ ረብሓታት ኣብ ግምት ብምእታው ንጭካነ እቲ ጉጅለ ብስቅታ ክሪኦ ምምራጹ ኣተሓሳሳቢ ከምዝገብሮ”ዮም ዝጠቅሱ።