ህወሓት ኣብ ትሕቲ መሬት ቀቢርዎ ዝጸንሐ BM ዝዓይነቱ መዳፍዕ፡ ኣውጺኡ ናብ ኤርትራ የግዕዞ ምህላዉ ኣምባሳደር ሙኡዝ ገብረሂወት ምስ ሬድዮ መናከርያ ኣብ ዘካይዶ ናይ ቴለፎን ቃለመሕተት ገሊጹ።
ህወሓት ትሕቲ መሬት ዝቀበሮን ዝሓበኦን ኣጽዋር ከምዘለዎ ኣጸቢቅና ንፈልጥ ኢና ዝበለ ኣምባሳደር ሙኡዝ ገብረሂወት፡ ካብ’ዚ ሰሙን ጀሚሩ ነቲ ትሕቲ መሬት ዝጸንሐ ኣጽዋር ኣውጺኡ ብወገን ሸራሮን ባደመን ናብ ኤርትራ የግዕዞ ምህላዉ”ዩ ኣብ ቃለመሕተቱ ዝገልጽ።
ህወሓት ኣብ ደደቢት”ዩ ተወሊዱ፡ ግን ከኣ ኣብ ዓፋር ክቅበር”ዩ ዝበለ እቲ ኣምባሳደር፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ንመስርሕ DDR ኣክቢሩ ዕጥቁ ከውርድ ዝግቦኦ ህወሓት፡ ዝሓብኦ ኣጽዋር ናብ ኤርትራ የግዕዞ ምህላዉ ብምግላጽ፡ ኣመሪካ ሕብረት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ውን በቲ ህወሓት ንውዕል ፕሪቶርያ ጥሒሱ ዝገብሮ ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቃሳት ሓላፍነት ከምዝስከሙ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዜና፡ ድሕሪ”ቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተከስተ ግጭት TDFን TPFን መንግስቲ ፈደራል ኣብ ልዕሊ”ቲ ንክልል ዓፋር ኣብ ትሕቲ ከበባ ከእትዋ ዝክእል ዝነበረ ሓይሊ ሰራዊት ትግራይ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ምውሳዱ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ህሞት ኣብ ትሕቲ ስለያዊ ስራሕ ዝነበረትን፡ ኣብ ዶባት ኤርትራ ዝተጸገዐትን ድሮን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብሰራዊት ኤርትራ ተሃሪማ ምውዳቃ ተገሊጹ።
እታ ብሓይልታት ምክልኻል ኤረትራ ተሃሪማ ከም ዝወደቀት ዝተገልጸት ድሮን፡ ምስታ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ደብዳብ ዝፈጸመት ዓይነት ድሮን ተመሳሳሊ ዓሌት ዘለዋ ከምዝኮነት ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር ብዛዕባ ምሕምሻሽ እታ ድሮን ኣመልኪቱ ካብ ኤርትራ ይኩን ካብ ኢትዮጵያ ብወገን ናይ መንግስቲ ኣካላት ዝተሰምዐ መረጋገጺ ሓበሬታ ዘይምህላዉ”ዩ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ናይ ሚዲያ መሓውራት ጉጅለ ህግደፍ፡ ድሕሪ ምሕምሻሽ እታ ድሮን፡ ብወገን ኢትዮጽያ ክዋፈራ ዝጸንሓ ድሮናት ምንቅስቃስ ቀኒሰን ምህላወን ዝገለጹ ኮይኖም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ንኩነታት እታ ተሃሪማ ወዲቓ ዝተባህለት ድሮን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የለን።