ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን፡ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ብልጽግናን ካብ ስልጣን ንምእላይ፡ ምስ ኩሎም ናይ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ ሓይልታት ጸሚዱ ናብ ኣራት ኪሎ ንምብጻሕ ኣብ ምድላው ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ሰራዊት ዝርከቦ ወተሃደራዊ ስንቂ፡ ብመስመር ባጽዕ ኣቢሉ ናብ ኣንፈት ዓሰብ ከግዕዝ ምቅናዩ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።
እቲ ብዓበይቲ መካይን ተጻዒኑ ብመስመር ባጽዕ ዓሰብ ኣቢሉ ክግዕዝ ዝቀነየ ወተሃደራዊ ስንቂ፡ ናይ ምግባና ዕንጨይቲ ሚሊታሪ ክዳን፡ ተንቀሳቃሲ ቴንዳታትን፡ ካልእ ተወሳኪ ዓቅሚ ኣጋር ሰራዊትን ዝርከቦ ምኳኑ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲ ሓይልታት ፋኖን ኦላን ህወሓትን ኣቢሉ ክገብሮ ዝሓስብ ዘሎ ናይ ልፍንቲ ስርሒት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣብ ግምባር ዓሰብ ኩሉ ዓይነት ናይ ቅድመ ኩነት ምድላው ኣብ ምግባር ምህላዉ”ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።
ብመስመር ባጽዕ ናብ ዓሰብ ዝጓረት ዘሎ ወተሃደራዊ ስንቅን ኣጋር ሰራዊትን፡ ካብ ቅድሚ ሰሙን ኣትሒዙ ተደጋጋሚ ግዜ ብዓበይቲ በጥሓት ተጻዒኑ ክሓልፍ ይረአ ምህላዉ፡ ካብ ህዝቢ እቲ ከባቢ ከምዘረጋገጹ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ጉጅለ ህግደፍ መንግስቲ ብልጽግና ዝገብሮ ወተሃደራዊ ቅልስ፡ ንክልል ዓፋር ዓውደ ግምባር ዝቅይር ኩነታት ክፈጥር”ዩ ዝብል እምነት ስለዘለዎ፡ ዝበዝሕ ሓይሉ በዚ ግምባር እዚ ከዳሉ ከምዝኽእል”ዮም ግምታቶም ዘቀምጡ።
መንግስቲ ብልጽግና ንዝሓቶ ዘሎ ናይ ሽምግልና ዝርርብ ብምንጻግ፡ ጉዳይ ኤርትራ ኢትዮጵያን ብናይ ሰዓርን ተሰዓርን ጉዳይ”ዩ ዝፍታሕ ኣብ ዝብል መርገጺ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ተፈጢሩ ዘሎ ሽግር ብወተሃደራዊ ስጉምቲ ንምፍትሑ፡ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ዝውገደሉ ስትራተጂ ከምዝሓንጸጸ ብድፍረት ኣብ ማሕበራዊ መራከቢታት ኣብ ምዝራብ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኩነታት ክልቲኦም ሓይልታት ካብ ናይ ቃላት ኲናት ሰጊሩ ኣብ ባይታ እተበጺሑ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝገበሮ፡ 44 ክፍለ ሰራዊት ኤርትራ ብ3ተ ግንባራት ኣኽቲቱ፡ ስልጣን ኣብይ ኣሕመድ ብምሉእ ኲናት ንምሕጻሩ ኣብ ከቢድ ምድላው ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ብዘይካ ናይ ፖለቲካ እሱራት፡ ኣብ ትሕቲ መሓዩር ዝጸንሑ ዜጋታት ብምፍታሕ፡ ኣብ ኣሃዱታት ተሓዊሶም ናብ ንጡፍ ተሳትፎን ወተሃደራዊ ተዓሊምን ካኣትው ጌሩ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ምፍጣጥ ሓይልታት ትግራይን ብልጽግናን ኣብ ጥርዚ ምስ ምብጽሑ፡ ኩሉ ዓይነት ሽፋን ብምሃብ ናብ ምሉእ ኲናት ንምእታው ይዳሎ ምህላዉ”ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።