መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ክገብሮ ካብ ዝጸንሐ ናይ ኲናት ምትኩታኽ፡ የዝልቅ ምህላው ገሊጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ዝገለጸ፡ ብመንገዲ ወሃቢ ቃል ናይቲ ጉጅለ ዝኮነ የማነ ቻርሊ ኣቢሉ፡ ኣብ ናይ X ውልቃዊ ሕሳብ ኣብ ዝሰፈሮ ጽሑፍ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ንጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ከም ኣደንጃ ብምልዓል፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ኲናት ምትኹታኽ፡ ንግዚኡ ደው ብምባል፡ ስቅታ መሪጹ ምህላዉ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣብቲ ዝቀረበ ሓተታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ዓሰብ ናትና”ዩ፡ ወደብ ብሓይሊ ክንመልሶ ኢና፡ ሓይሊ ባሕሪ ከነቅውም ኢና፡ ኣፍልጦ ሉኡላውነት ኤርትራ ክንስርዞ ኢና ዝብል ናይ ኲናት ፈከራ፡ ብመንገዲ ኣፈኛታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ክደጋግም ምጽንሑ ዝገለጸ ኣፈኛ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ግን እቲ ክግበር ዝጸንሐ ናይ ኲናት ዳንኬራ ሃዲኡ ምህላዉ”ዩ ዝጠቅስ።
ኤርትራ ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ካብ ዘስዕብ ተግባራታ ክትቍጠብን፡ ምስ ዞባዊ ሰላምን ውህደትን ዝሳነ ሃናጺ መንገዲ ክትክተልን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ድፊኢት ክገብር መንግስቲ ኢትዮጵያ ጻውዑት ምግባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝኽተሎ ዘሎ ግጉይ ፖሊሲ ገዲፉ፡ ንብሩህ መጻእን ክልታኣዊ ምትሕብባርን ተጊሁ ዝጭበጥ ስጕምቲ ክወስድ ከምዝግባእ ምግላጹ ዘሰንብድ”ዩ ዝበለ ኣፈኛ ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ፡ ኢትዮጵያ ባዕላ ንእትጽሕትሮ ዘላ ኲናት ኤርትራ ሓላፍነት ክትወስደሉ ትደሊ ምህላዋ ኣገሪምዎ ምህላዉ”ዩ ከረድእ ፈቲኑ።
ንታሪኽን ክብርታትን ህዝቢ ኤርትራ ብምቁንጻብ፡ ንሉኡላዊ መሬትን ግዛኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእቱ ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ካብ ኤርትራ ንዝመጾ ዘሎ ተጻቦኦ ብምኹናን፡ ኣብ ናይ ነብሰ ምክልካል ተግባራት ምህላዋ ከረድእ ምፍጣኑ፡ ኣገራሚ ምኳኑ ዝጠቀሰ የማነ ቻርሊ፡ ባዕልካ ነገር እንዳጻሕተርካ ከሳሲ ኮንካ ምቅራብ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምትላል ዝተመርጸ ስልቲ ምኳኑ”ዩ ዝግለጽ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር ቀሪቡ፡ ኢትዮጵያ ወደብ ኣልቦ ሃገር ክትኸውን ዝገበራ ውሳነ መን ከምዝወሰኖ ንጹር ኣይኮነን፡ ንምርግጋጹ ፈቲንና ውን ሰነድ ኣይረከብናን ምባሉ ከም ኣብነት ዝጠቀሰ ወሃቢ ቃል ጉጅለ ህግደፍ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሰነድ ኣይረኸብናን ዝበለ ብልጽግና፡ ኣብ ነብሰ ምክልኻል ኢና ዘለና፡ ትዕግስትና ይጽንቀቅ ምህላዉ ግን ማሕበረሰብ ዓለም ይፍለጠልና ክብል ምፍታኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ምርሳዕ ጸገም ኣጋጥሚዎ ምህላዉ ክትርዳእ ዝገብር ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ክልቲኦም ሓይልታይ ህግደፍን ብልጽግናን፡ ድሕሪ”ቲ ብውዕል ፕሪቶርያ ዝተከተመ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ከቢድ ምትፍናን ኣትዮም ኣብ ናይ ኲናት ተፋጠጥ ኣብ ዘለዉሉ ሰዓት፡ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ናብ ኲናት ከምርሕ ዝክእል ጉዳይ ብቀጻሊ ዝለዓል ወላ ዳኣ ይኩን እምበር፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ዘሎ ምትህልላኽ፡ ናይ መን ሰዓረ ጉዳይ ምኳኑ ኩሉ ዝርዶኦ ሓቂ”ዩ።