ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ናይ ቃላት ኲናት ተጸሚዱ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ትማሊ ኣማስዩው ውን ምስቲ ኣብ 2018 ዝተፈረመ ናይ ሰላም ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ብምትእስሳር ኣብ ዘውጾኦ ሰፊሕ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ናይ ስልበጣ ክሕደት ምፍጻሙ ብምጥቃስ ንሰልፊ ብልጽግና ክጎጢ ተሰሚዑ።
እቲ ብመንገዲ ወሃቢ ቃል ናይቲ ጉጅለ ዝኮነ ሚኒስተር የማነ ቻርሊ ኣቢሉ ዝወጸ መግለጺ፡ 9 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ በዓል ሓሙሽተ ነጥብታት ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ዓሊሙ ኣብ ኣዕኑድ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተሰረተ ምንባሩን፡ ንምሉእ ምኽባር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ክልቲአን ሃገራት ዘኽብር ከምዝኮነን ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ዶክተር ኣብይ ኢትዮጵያ ወደብ ኣልቦ ክትኸውን ዝፈረዳ ውሳነ መን ከምዝወሰኖ ኣይንፈልጥን ንዝበሎ ቃላት፡ ብተዘዋዋሪ ባዕሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣህመድ ውን ብክታሙ ከምዘረጋገጾ”ዩ ኣብ ጽሑፉ ኣሚቱ ዝርከብ።
ኣብ ቀዳማይ ዓንቀጽ ናይቲ ስምምዕ፡ “ኩነተ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዘብቅዐን”ሓድሽ ዘመን ሰላምን ምሕዝነትን” ምጅማሩን ብግልጺ ዘበስር ምኳኑ ዝገለጸ እቲ ሓተታ፡ ዓንቀጽ 4ን 5ን ብተመሳሳሊ “ንምሉእ ኣተገባብራ” ውሳኔ ኮምሽን ዶብ ኤርትራ ኢትዮጵያን ዘነጽርን፡ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ብውዕል ኣልጀርስ ክዕጾ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐን፡ ከምኡውን ናይ ክልቲአን ሃገራት ሓባራዊ ጻዕሪ፡ ንዞባዊ ሰላም ልምዓትን ምትሕግጋዝን ክውዕል ብቕደም ተኸተል ኣብ ስምምዕ ብምጽሖም”ዩ ዝጠቅስ።
ኣብ ሳልሳይ ምዕራፍ ናይቲ ዓንቀጽ፡ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ ሚያዝያ 2002 ንዝተዋህበ “ናይ መወዳእታን ቀያድን” ውዕል ኣልጀርስ ኣክቢሩ ዝተፈጸመን መከተምታ ዝገበረን ምኳኑ ዝጠቀሰ መግለጺ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንዝሓለፈ 18 ዓመታት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝሰፈነ ቀጻሊ ጽልእን ኩነተ ኲናትን፡ ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ብፍቃዶም ንዝፈረምዎ ኣህጉራዊ ስምምዓት ከኽብሩ ብዘይምካኣሎምን፡ ከሙኡ ውን ዝምልከቶም ኣህጉራውያን ሓይልታት ዋሕስ ዝህብ መቕጻዕቲ ክወስዱ ሰሪ ዘይምካኣሎምን ዝተፈጥረ ምንባሩ”ዩ ዝጠቅስ።
ኣብ 4ይ ምዕራፍ ቀጺሉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 2018 ዝወሰዶ ኣወንታዊን ርትዓውን መርገጺ ብምክሓድ፡ ብዘሕዝን ኣገባብ ሃንደበት ተሰልቢጡ፡ ኣብ ታሕሳስ 2023 ናይቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ዝነበረ ናይ ምስፍሕፋሕን ዘይመሬትካ ምግባትን ኣጀንዳ ከምዝተመልሰ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ 2018 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላምን፡ ንሓድሽ ምዕራፍ ነባሪ ዞባዊ ምርግጋእን ምትሕብባርን፡ ብወገን ክልቲኦም ጎረባብቲ ህዝብታት ተፈጢሩ ንዝነበረ ተስፋ ከምዘህፈፎን”ዩ ዝኸስስ።
ኣብ 5ይ ምዕራፍ ናይቲ ዓንቀጽ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ “ሰልፊ ፖተምኪን” ክብል ዝጠቀሰ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዋንነት ኣፍደገ ባሕርን፡ ዝተሰርቀ ወደብ ዓሰብ ብሓይሊ ምምላስን ዝብል ዘይሕጋዊ ኣበሃህላ ሒዙ፡ ንዘይምንዛዕን ብጻዕሪ ዝተረኸበን ናጽነት ኤርትራ ንምርካስን “ሕጋውነት ንምክሓድን” ነዊሕ ርሕቀት ከምዝከደ ድሕሪ ምክሳሱ፡ ብልጽግና ናጽነት ኤርትራ ንምክሓድን፡ መሬታዊ ሓድነታ ንምድፋርን መዓልታዊ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ሶሻል ሚዲያ ዘመተ ይቅጽሎ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ መደምደምታ 6ይ ምዕራፍ፡ እንኮ ማእከል ስሕበት ናይዚ ዘየድሊ ኩነተ ኲናትን፡ ክውገድ ዝኽእል ወጥርን፡ እቲ ንሓድሽ ግጭት ዝዳሎ ዘሎ “ሰልፊ ፖተምኪን” ኢትዮጵያ እዩ ዝበለ ጉጅለ ህግደፍ፡ መድሃኒት ወይ ጸረ-መርዚ ናይ ዝመጽእ ዘሎ ቅልውላው፡ ንኣዕኑድ ኣህጉራዊ ሕጊ ዘኽበረ ድሌት ምጽናዕን፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ቅንዕናን ጎረቤትካ ምኽባርን”ዩ ድሕሪ ምባል፡ ካብ ጉይይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ ኣገዳሲ ምኳኑ ብምጥቃስ”ዩ ሓተቱኡ ዝዛዝም።