ምሁር ዜጋ ዘይብላ ሃገር ኣብ ምፍጣር ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝደኸመ ጉጅለ ህግደፍ፡ መቀጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ትምህርቲ ክገብሮ ዝጸንሐ ኣዕናዊ ተግባራቱ፡ ሕጂ ውን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ንዝቁጽሮም ተመሃሮ ኮለጅ ማይ ነፍሒ ናብ ዓሰብ ከምዝመደቦም ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ዓዲ ገሊጾም።
እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኮለጅ ማይ ነፍሒ ዛኣተዉ ተመሃሮ፡ ትምህርቲ ንምቅጻል ዘኽእል ነጥቢ ኣይረከብኩምን ብዝብል ምኽንያት ናብ ሓይልታት ምክልካል ይለኣኹ ምህላዎም ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ጥራሕ ቁጽሪ ልዕሊ 1ሽሕ ዝግመቱ መንእሰያት ተሪፍኩም ተባሂሎም ናብ ሓይሊ ኣየርን፡ ኣብ ዓሰብ ዝርከብ ኣሃዱታትን ፋሕ ክብሉ ከምዝተገብረ”ዮም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢዱ ብምእታው ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ እታ ሃገር ዘውርዶ ዘሎ ዕንወትን፡ ዝፍጽሞ ዘሎ ወተሃደራዊ ትእዛዝን፡ ተስፋ ንዝተነብሮም ንፉዓት ተማሃሮ ከይተረፈ ተስፍ ክቆርጹን ዕላሞኦም ክስሕቱን ይገብሮም ምህላዉ ወሲኮም ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ነብሰ ቅትለትን ኣደዳ ዘይተደልየ ኣደንዘዝቲ ወልፍታት ምኳናንን ኣብ መንእሰያት ተማሃሮ እቲ ኮለጅ ይገንን ምህላዉ”ዮም ወሲኾም ዝጠቅሱ።
ብዝሞተ ስርዓተ ትምህርቲ ጉጅለ ህግደፍ ተሳፋ ዝቆረጹ ተመሃሮ ኮለጅ ማይ ነፍሒ፡ ኣብታ ሃገር መጻኢ ከምዘይብሎም ተረዲኦም ምህላዎም ወሲኾም ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ወላ”ውን እቶም ዓቢ ተሳፋ ዝተነብሮም ተማሃሮ እቲ ኮለጅ፡ ከቢድ ናይ ወልፍታት ሂወት ኣማዕቢሎም፡ ቀንዲ ዕላሎም ካብታ ሃገር ክትጠፋኣሉ ዝከኣል መንገዲ ምንዳይ ኮይኑ ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ብህዝቢ ኤርትራ ተፈንፊኑ ኣብ ጥርዚ ናይ ተነጽሎ ስምዒት ብምኳን፡ ወተሃደራዊ ስርዓት ተኺሉ ዝሰሓግ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ተመሃሮ ኮለጃት ክቱር ፍርሕን ስክፍታን ስለዝስምዖ፡ ንሲቪላዊ ኩለጃት ብወተሃደራዊ ትእዛዝ ከምዘመሓድሮ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ እዚ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሽሕ መንእሰያት ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ ውን፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዘለዎ ስጋኣት ዝብገስ ምኳኑ”ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።